ሕ.ኣ. 300 ሚልዮን ዶላር ንምእካብ ናይ ሓገዝ ምሸት ኣዳልዩ

Radio Erena: 18 October 2020

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብታ ሃህጉር ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምርግጋእ፣ ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ክእክብ መደብ ከምዘውጸአ ኣፍሊጡ።
ኮቪድ 19 ብደረጃ ዓለም ኣብ ህይወት ሰብን መነባብሮን ኣኸቲሉዎ ዘሎ ዕንወትን ምምዝባልን፣ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እውን ከቢድ ሳዕቤን ኣምጺኡ ስለዘሎ፣ ንቁጠባዊ ሕውየት እታ ኣህጉር ዝውዕል ናይ 647 ሚልዮን ዶላር ፋይናንስያዊ ሓገዝ ከምዘድልይ እዩ ዝግለጽ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ዳርጋ ፍርቂ ናይቲ ተሓቲቱ ዘሎ ባጀት ክዋጻእ ብዝሓንጸጾ መደብ፣ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ መራሕቲ ሃገራትን ህቡባት ስነጥበባውያንን ብምትሕብባር ሓገዝ ንምርካብ ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ንዕለት 24 ጥቅምቲ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ሓገዝ ምሸት፣ ከም ማእከል ንግዲ ዓለም ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ትካላት እውን ክሳተፉ ምዃኖም ተሓቢሩ።
ኮቪድ 19 ንምምካትን ብድሕሪኡ ንዝግበር ቁጠባዊ ሕውየትን፣ ስትራተጂ ኣውጺኡ ከምዘሎ ዝገልጽ በቲ ሕብረት ዝቖመ ጉጅለ፣ ነዚ ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንምእካብ ኣፍሪቃውያን ባንክታትን ትካላት ሜድያን ዝዓበየ ተራ ክጻወታ ምዃነን ኣፍሊጡ።
ሞሮኮ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቱኒዝያ፣ ሊብያን ኢትዮጵያን ካብተን ቀንዲ በዚ ተላባዒ ሕማም ተጠቒዐን ዘለዋ ሃገራት ክኾና እንከለዋ፣ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ሕሙማት፣ ልዕሊ 24 ሽሕ ከኣ ሞት ዜጋታታ መዝጊባ ዘላ ኣህጉር እያ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0