ሕ/ኢ/ዓረብ ንሶማል እትገብሮ ወትሃደራዊ ሓገዝ ደው ኣቢላ

ሕ/ኢ/ዓረብ ንሶማል እትገብሮ ወትሃደራዊ ሓገዝ ደው ኣቢላ

Radio Erena: 17 April 2018

somal

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሶማል እትገብሮ ዝነበረት ወትሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነቲ ካብ 2014 ኣትሒዙ ኣብ ስልጠና ዘተኮረ ወትሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለት ትገልጽ ዘላ፣ ክልትኤን ሃገራት ብጉዳይ እቲ ኣብ ሚያዝያ 8 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ዝተታሕዘ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዝሰሓሓባሉ ዘለዋ እዋን’ዩ።

መንግስቲ ሶማል እቲ ብፍልይቲ ነፋሪት ተላኢኹ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተታሕዘ ገንዘብ ናብ መንን ንምንታይ ዕላማን ከምዝተመደበ ዘይተፈልጠ ዘይሕጋዊ’ዩ ክብሎ እንከሎ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከኣ ንስልጠና ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ዝተላእከ’ዩ ‘ያ ትምጉት ዘላ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እቲ ገንዘብ ንኣስታት 2 ሽሕ ዝኾኑ ሶማላውያን ሰልጠንቲ ደሞዝ ንምኽፋልን ሓደሽ ወትሃደራዊ ማእከልን ሆስፒታልን ንምህናጽን ዝዓለመ ምዃኑ’ያ ትገልጽ።

እንተኾነ መንግስቲ ሶማል፣ ብዘይኣፍልጥኡ ክኣቱ ዝተሓስበ’ዩ ብምባል ነቲ ገንዘብ ብምህጋር ምጽራይ የካይደሉ ኣሎ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ የመን’ውን ተመሳሳሊ ገንዘብ ብምውፋር፣ ሰራዊት መንግስቲ ንሓድሕዱ ከምዝጋጮ ብምግባር ዕልዋ መንግስቲ ከምዝፈጸመት ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት እታ ሃገር ይወቅስ።

ኣብ ጉዳይ ቀጠር ብዘለወን ዝተፈላለየ መርገጽን ምስ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣገልግሎታት ወደብ በርበራን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምስሕሓብ ጸኒሑ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ወትሃደራዊ ዝምድና ቱርኪን ሶማልን ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካልእ ስግኣት ፈጢሩላ ምጽንሑ ተንተንቲ የረድኡ።

ቱርኪ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ስልጠና ሰራዊት ዘተኮረ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0