ሕ/ ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ወትሃደራዊ ምስፍሕፋሕ ተካይድ

ሕ/ ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ወትሃደራዊ ምስፍሕፋሕ ተካይድ

Radio Erena: 21 March 2018

President Bihi

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ምዃና ፕረዚደንት እታ ርእሰ ምምሕዳር ሙሰ ብሒ ዓብዲ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር ብዘይካ’ዚ ንሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንምስልጣን መደብ ከምዘለዋ እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።

ብመሰረት’ቲ ንሱ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዝቐውም ወትሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ጸጥታን ቁጠባን ሶማሊላንድ ወሳኒ ኣበርክቶ ክህልዎ’ዩ።

ሕ/ ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማሊላንድ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውምን ንሓይልታት ጸጥታ እታ ርእሰ ምምሕዳር ከተሰልጥንን ምዃና ዝግለጽ ዘሎ፣ ብጉዳይ እቲ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተኸተሰም ስምምዕ ወደብ በርበራ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተቓውምኦ ኣብ ዘስምዓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ወሃቢ ኣገልግሎታት ወደብ DP world ናይ ዱባይ ምስ ጅቡቲ ዝነበሮ ስምምዕ ድሕሪ ምቁራጹ፣ ንወደብ በርበራ ናይ ሶማሊላንድ ብ51% ንምውናኑ ሓድሽ ስምምዕ ከምዝኸተመ ይዝከር።

እቲ ኢትዮጵያ 19% ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ድማ 30% ብርኪ ወኒኖምሉ ዘለዉ ስምምዕ ኣገልግሎት ወደብ ባርባራ፣ ብጅቡቲ’ውን ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪቃን እትፍጽሞ ዘላ ወትሃደራውያን ቁጠባውን ምስፍሕፋሕ፣ ንጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምትፍናን የእቱ ከምዘሎ ተንተንቲ ብተደጋጋሚ ይገልጹ።

ኣብ ኤርትራ’ውን ናብ የመን ዝቐንዐ ወትሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቁጠባ ሱዳን ንምብርባር 1.4 ቢልዮን ዶላር ናብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ከምዘሰጋገረት ኣይርሳዕን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0