ሕ/ኢማራት ዓረብ፣ ሰራዊታ ኣብ ደሴት ሶኮትራ ምውፋራ፣ ልኡላውነት የመን ትግህስ ኣላ ክብል መንግስቲ ተቓዊሙ

ሕ/ኢማራት ዓረብ፣ ሰራዊታ ኣብ ደሴት ሶኮትራ ምውፋራ፣ ልኡላውነት የመን ትግህስ ኣላ ክብል መንግስቲ ተቓዊሙ

Radio Erena: 07 May 2018

Socotra

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሰራዊታ ኣብ ደሴት ሶኮትራ ናይ የመን ምስፋራ መንግስቲ የመን ተቓዊሙ።

መንግስቲ የመን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ናብታ ስትራቴጅያዊት ደሴት ሰራዊታ ምውፋራ፣ ንሉኡላውነትን ሓድነትን የመን ዝጥሕስ’ዩ ክብል ኮኒንዎ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንፍሉያት ሓይልታት ብምስልጣን፣ ንቤተ መንግስቲ የመን ብሓይሊ ምቁጽጻራ፣ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ መንግስቲ ዕልዋ ከምዝፈጸመት ምውቓሱ ኣይርሳዕን።

ምትፍናን መንግስቲ የመንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ጥርዙ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ’ቲ ናብ ደሴታ ሶኮትራ ተዋፊሩ ሰራዊት ብዝምልከት ንምዝርራብ ፍሉይ ልኡኽ ናብታ ደሴት ከምዝሰደደት’ያ ትገልጽ።

ኣመንቲ ሺዓ ንዝኾኑ ተቓወምቲ ሑቲ ንምውቓዕ ብዝብል ሰበብ፣ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝቖመ ልፍንቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝህብ የመን ከም ወራሪ ሓይሊ ይግለጽ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት የረድኡ።

ሶኮትራ፣ ንቀይሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውቅያኖስን ኣብ ዘተኣሳስር ስትራቴጅያዊት ክሊ ማይ እትርከብ ናይ የመን ደሴት’ያ።

ነዚ ናይ ልፍንቲ ሓይልታት ብወግዒ ዝደገፈ መንግስቲ ኤርትራ፣ ክሊ ባሕሩን ኣየሩን ነታ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የመን ህልቂት እትፍጽም ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝፈቐደ ይፍለጥ።

ኣብ ጎኒ’ዚ ኣብ የመን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወት ዘውርድ ዘሎ ናይ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ተሰሊፉ ዝርከብ መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ኩነታት ዳግመ መርመራ ብምግባር ሰራዊቱ ካብ የመን ንምስሓብ ይደናደን ከምዘሎ ይግለጽ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዘይካ ኣብ የመን ኣብ ሶማል’ውን ተመሳሳሊ ምትእትታው ትፍጽም ከምዘላ ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ናብ ባይቶ ጸጥታ ምኽሳሱ ዝፍለጥ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0