ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ናይ ወጻኢ ዜጋታት፣ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘይክኣለ ክፍሊ ኢምግሬሽን ዜግነትን ኢትዮጵያ ገሊጹ

RADIO ERENA – Thursday, 02 May 2024

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ይኹኑ ዝተሰነዐ ሰነዳት ሒዞም ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ናይ ወጻኢ ዜጋታት፣ ስጉምቲ ክወስድ ተጸጊሙ ከምዘሎ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ክፍሊ ናይ ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይ ስራሕ ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበሉ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ናብ ፍርዲ ንምቕራቦም ዝተፈተነ መስርሕ፣ ብዋሕስ ስለዝፍትሑ፣ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘይክኣለዩ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣመልኪቱ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ብስም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት፣ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራ በብእዋኑ እናገፈፉ ክእስሩ እኳ እንተጸንሑ፣ ንገሊኦም ብጉቦ ንገሊኦም ድማ ብዋሕስ ከምዘፈነውዎም ይፍለጥ።

ብመሰረት እቲ ክፍሊ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎምን ዝነበሮም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ወይ ቪዛ ዝወደቐን ከምኡ ድማ ዝተሰነዐ ሰነዳት ሒዞም ዝንቐሳቐሱን ኣስታት 18 ሽሕ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣለዉ።

ስርዓት ምቁጽጻር ኢትዮጵያ ድኹም ምዃኑ ዝመዝመዙ ወጻእተኛታት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታውም፣ መንበሪ ፍቓዶም ከየሐደሱ ከምዝነበሩውን እቲ ክፍሊ ወቒሱ።

ኣብዚ እዋንዚ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ንሕክምናን ርክብ ካብ ውጻኢ ሃገራት ምስ ዝመጹ ስድራቤታቶምን ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ይኣትዉ እኳ እንተለዉ፣ ብዙሓት ካብኣቶም ከምዘይምለሱ ዩ ዝግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0