ሕድሕዳዊ ቅትለት፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ናይ መጉዳእቲ በሰላ ዘበገሶ እዩ

Radio Erena: 23 December 2021
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ሰለስተ ኤርትራውያን ኣዴታት ብበዓል ሓዳረን ወይ ሰብኡተን ዝነበሩ ከምዝተቐትላ ዝገልጽ ሓበሬታታት ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ኤርትራውያን ከቢድ ስምባደ ፈጢሩ።

ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብሰብ ሓዳረን ክቕተላ ናይ መጀመርታ’ኳ እንተዘይኮነን፣ ስሕት ኢሉ ከጋጥም እንተጸንሐን እዚ ናይ ሎሚ ቅነ ግን ለበዳ ሕማም እንክመስል ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዴንማርክ፡ ጀርመንን ኖርወይን ምኽሳቱ ብፍሉይ ኣሰምባዲ ጌርዎ ኣሎ።

እዚ ናይ ቅትለት ኣጋጣሚታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ናይ መጉዳእቲ በሰላ (post traumatic synsrom) ዘኸተሎ ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላ ስነ-መትንን ስነ-ኣእምሮን ዶክተር ዘርኣብሩኽ ገብረማርያም ንራድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ዶክተር ዘርኣብሩኽ፡ መብዛሕቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዙሕ መስገደላት ሰጊሮም ዝሓፉ ብምኳኖም፡ ዝሓለፍዎ መስገደላት ኣብ ኣእምሮኦም በሰላን ስንባደን ገዲፉ ሕጂ ዝተረጋግአ ናብራ ከይመርሑ የሸግሮም ከምዘሎ ይገልጽ።

መንእሰያት ዝተፈላለየ መስገደላት ሓሊፎም እዮም ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝበጽሑ፡ ገለ ብመገዲ ሳሃራን ሊብያን ማእከላይ ባሕርን፡ ገለ ብሲና ዝሓለፉ እዮም። ገለ’ውን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራን ዝተናውሐ ኣገልግሎትን ዝነበሩ እዮም።

ሓያሎ መንእሰያት፥ ኣብ መገዲ ግፍዕን ምስቓይን፡ ኣብ ጭውያን ኣብያተ ማእሰርቲን ዝገጥሞም ምስርጣይን ማህረምትን፡ ኣብ ምስጋር ባሕሪ ዝሙኮሩዎ ፍርህን ምርኣይ ሞት ካልእን፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ካልእን ተመክሮታትን ኣሓለፉ እዮም።

እዚ ሕማቕ ተመክሮታት፥ ኣብ ኣእምሮ ዘይሃስስ በሰላ፡ ስንባደን መጉዳእትን ስለ ዝገድፍ ኣብ ዝተናውሐ ወላውን ኣብ ዝተረጋግአ ቦታ ከዕርፎም ከምዘይክእል ዶክተር ዘርኣብሩኽ ይገልጽ።

እዚ በሰላታት’ዚ፣ ርእሰ-ተኣማማንነት ከየጥርዩ፡ ሓላፍነታውያን ከይኮኑ፡ ዓቕሊ ከጽብቡ፡ ክርበሹን ከይረጋግኡን ክደፋፍኦም ይኽእል።

ኣብ ስደት ድማ፥ ኣብቲ ዝበጽሕዎ ሃገር ናብሮም ከምቲ ዝተጸበይዎ ምስ ዝኸውን፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ምስ ዘይረኽቡ፡ ብስራሕ ምስ ዘይጽመዱን ካልእን ዝሓለፍዎ መጉዳእታዊ ስምብራት ተወሲኽዎ ኣብ ሂወቶም ናብ ዘይተደልየ ጎንጺን ሓይሊ ምጥቃምን ከምርሖም ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዝርከቡ መንእሰያት ኣኣብ ዝነብሩሉ ኣከባቢ ብዘይስክፍታ ብክኢላታት ስነ – ሕክምናዊ ሓገዝ ክሓቱ ከምዝግባእ ዶክተር ዘርኣብሩኽ ይመክር።

ሓያሎ ሰባት ጥዑያት ዘለዉ ዝመስሎምን፡ ብደገ ክትርእዮም’ውን ጥዑያ ዝመሱ’ኳ እንተኾኑ ጸቕጢ ምስ ዝገጥሞም ኣብ ውሽጦም ዝተደጎለ ስምብራት ክግንፍሎም ስለዝኽእል፣ ኣብ ክኢላታት ብምቕራብ ፈዋሲ ምኽሪ ክረኽቡ ይግባእ ክብል ዶክተር ዘርኣብሩኽ ኣዘኻኺሩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0