ሕብረት ኤውሮጳ እጃሙ ከበርክት እንተዘይክኢሉ፣ ስቓይ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከብቕዕ ከምዘይኮነ መንግስቲ ሊብያ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 11 October 2021

ሕብረት ኤውሮጳ እጃሙ ከበርክት እንተዘይክኢሉ፣ ስቓይ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሕልኑ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከብቕዕ ከምዘይኮነ መንግስቲ ሊብያ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዘፍለጠ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 5 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ካብ ከባቢታት ትሪፖሊ ተገፊፎም፣ ብኢሰብኣዊ ኣገባብ ተታሒዞምሉ ካብ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ፣ ፈንጢሶም ምስ ወጹ’ዩ።

እቲ፣ ብሃገራዊ ሓድነት ዝፍለጥ መንግስቲ፣ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት፣ ኣብ ገሊኦም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሕልኑ፣ እቶም ካልኦት ድማ ኣብ ሊብያ እናሰርሑ ክነብሩ ዝደልዮ ምዃኖም’ዩ ጠቒሱ።

ብዛዕባ’ቶም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሕልኑ፣ ሕብረት ኤውሮጳ እጃሙ ከበርክት ክጽውዕ እንከሎ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ሊብያ እናሰርሑ ክነብሩ ዝደልዩ ድማ እቲ መንግስቲ ኩነታቶም የጽንዖ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ሊብያ፣ ብዛዕባ ኩነታት ስደተኛታት መግለጺ ክህብ ዝተገደደ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፣ ንኣተሓሕዛ እቶም ዝተገፈፉ ስደተኛታት ብዝምልከት፣ ሓያል ነቐፌታከዝንብር ምስ ጀመረ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0