ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ዝተመባጽዖ 320 ሚልዮን ኤውሮ ቅድሚ ምጽዳቁ፣ ኣምባሳደር እቲ ሕብረት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ዑደት ኣካይዶም

ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ዝተመባጽዖ 320 ሚልዮን ኤውሮ ቅድሚ ምጽዳቁ፣ ኣምባሳደር እቲ ሕብረት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ዑደት ኣካይዶም

Radio Erena : 03 June 2015

EU Ambas

ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዞባታት ዓንሰባን ጋሽ ባርካን ዑደት ኣካይዶም።

እቶም ኣምባሳደራት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየድዎ ዑደት፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና፣ ሕርሻን ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያን ንዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ተዓዚቦም።

እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ተወሃሂዱ ዝተኻየደ ዑደት፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ክልግሶ ምዃኑ ዝተመባጽዖ ናይ 320 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ከም መጎሳጎሲ ንኸገልግል ተባሂሉ ዝተዳለወ ምዃኑ ይንገር።

 

እቲ ሕብረት ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ከበርክት ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ፣ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተቓወሙ ይዝከር።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐርበሉ ዘሎ ዘይኮነ ኣብ ልምዓት ከምዘሎ ንምርግጋጽ’ዩ ንዑደት ኣምባሳደራት ሕብረት ኤውሮጳ ከምዝወደበ’ዩ ዝጥቐስ።

ሓደ ሓደ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ምብርካት ንዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ከጉድሎ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለወን ይፍለጥ።

ገሊኤን ኣባላት እቲ ሕብረት ድማ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝውቀሰሉ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት’ውን ጠብቂ ስደት ይኸውን ኣሎ ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተደጋጋሚ እዋን ዝርርብ ኣካይደን’የን።

==================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0