ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ንምዕጋት፣ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ከዋፍር’ዩ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ንምዕጋት፣ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ከዋፍር’ዩ

Radio Erena: 23 June 2015

EU navy

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ብጀላቡ ዝካየድ ዘሎ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ፣ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ክዋፈር ወሲኑ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሉክሰንበርግ ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ’ዮም እዚ ውሳኔ ተበጺሑ።

እቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝዋፈር ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ፣ 15 መራኽብ ኵናት፣ ነፈርቲ ውግእ፣ ሄሊኮፕተራትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዘጠቓለለ’ዩ።

እቲ ዝዋፈር ኣሃዱ ኣብ ክሊ ማያት ሊብያ ክኣቱ ብመንግስቲ ሊብያ ፍቓድ ክሳብ ዝወሃቦ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ክነጥፍ ምዃኑ ተሓቢሩ።

 

ዕላማ እቲ ዝዋፈረ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ንዝውነና ጀላቡ ስለያዊ መጽናዕቲ ምክያድን ድሕሪኡ ክውሰድ ንዝኽእል ስግሙቲ ሓበሬታ ምሃብን’ዩ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝርከባ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ዝውነናን ጀላቡ ንምዕናው ወትሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝብል እማመ ሕብረት ኤውሮጳ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ቅድመ ምድላዋትን መጽናዕትን ይካየድ ምህላዉ ክትቐስ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ካብዚ ሰሙን እዚ ጀሚሩ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ዝዋፈር ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ፣ ነታ ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ተዋፊራ ዝጸንሐት ኢጣልያ ከፊላዊ ሩፍታ ፈጢሩላ ይርከብ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከካይዶ ወጢኑ ዘሎ ስርሒት፣ ነቶም ድሮ ምድሪ ኤውሮጳ ረጊጾም ዘለዉ 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት’ውን መዓልብኦም ንምውሳን ኣብ ክርክር ይርከብ።

======================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0