ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኤርትራ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ክትስሕብ ብኣመሪካ ንዝቐረበ ጻውዒት ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 09 February 2021

ኤርትራ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ክትስሕብ ብኣመሪካ ንዝቐረበ ጻውዒት ከምዝድግፍ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ኣብ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዛት ክኣቱ ክፈቅድ’ውን ሓቲቱ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ፣ ክሳብ ዓሌት ናይ ምጽናት ገበናት ከምዝተፈጸመ ዘመልክቱ ጸብጻባት ከምዘሎ ዝጠቐሰ መግለጺ ናይቲ ሕብረት፣ ነዚ ኣብ ምግዳድ ተራ ኣለዎ ዝበሎ ሰራዊት ኤርትራ ብዝቐልጠፈ ክወጽእ ጸዊዑ።

እቲ ሕብረት ነዚ ጻውዒት ዘቕረብ ዘሎ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ፔካ ሃቪስቶ ዝምራሕ ፍሉይ ልኡኹ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰደደሉ እዋን’ዩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ብዘይካ’ዚ ኣብ ኩነታት ትግራይ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ግጭት’ውን፣ ንክልቲኦም ወገናት ንምቅርራብ ኣብ ካርቱም ዑደት ከምዘካየደ’ዩ ተገሊጹ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምስዚ ናይ ትግራይ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ንኢትዮጵያ ዝመደቦ ናይ ኣስታት 80 ሚልዮን ኤውሮ ፊናንስያዊ ሓገዝ ደው ኣቢልዎ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ መራሕቲ ጀርመንን ፈረንሳን በብወገኖም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ናብ ትግራይ ህጽጽ ሰብኣዊ ሓገዛ ክባጻሕን፣ ጋዜጠኛታት ድማ ብዛዕባቲ ኩነታት ጸብጻባት ከቕርቡ ናብ ትግራይ ክኣትዉ ክፍቀደሎምን ጻውዒት ኣቕሮቦም’ዮም።

ብናይ ብሄር ግጭታት እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ይኹን ካልእ ኩርንዓት እታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት፣ ዓመጻት፣ ግፍዒ፣ ኣልማማ ማእሰርትን ካልእ ገበናትን ንምኽዋል፣ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ናይ ምዕፋን ስጉምታት ይወስድ ከምዘሎ ‘ውን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መሰል ጋዜጠኛታት ይወቕሱ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0