ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ብነጠብጣብ ማይ ዘስቲ መሳርሒታት ሕርሻ ንምትካል ምስ እስራኤላዊ ኩባንያ ስምምዕ ከቲሙ

Radio Erena: 13 September 2016

Drip

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ከም ኣካል ናይቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝለገሶ ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ኣብ ክልተ ዞባታት ኤርትራ ዝርከብ 16 ናይ ሕርሻ ነቑጣታት ብነጠብጣብ ማይ ዘስቲ መሳርሒታት ንምትካል፣ ምስ እስራኤላዊ ኩባንያ ስምምዕ ከምዝኸተመ ኣፍሊጡ።

ወኪል እቲ ሕብረት ካብ ኣስመራ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ 18.7 ሚልዮን ኤውሮ ዝተገመተ ስምምዕ ምህናጽ ብነጠብጣብ ማይ ዘስቲ መሳርሒታት፣ ኣብ ኤርትራ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ናይ ምትሕግጋዝ መደብ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቲ ስምምዕ ብሓሙስ 8 መስከረም ከምዝተኸተመ ዘረጋገጸ መግለጺ ሕብረት ኤውሮ ካብ ኣስመራ፣ ኣብ ዞባ ማእከል ሸውዓተ ኣብ ዞባ ደቡብ ከኣ ትሽዓተ፣ ብድምር ኣብ 16 ናይ ሕርሻ ነቑጣታት ክትግበር ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ዝትከል ብነጠብጣብ ማይ ዘስቲ ዘመናዊ መሳርሒታት ብጸሓያዊ ጸዓት ዝንቀሳቐስ’ዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብሰንኪ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣደናጉዎ ዝጸንሐ ናይ ኣስታት 200 ሚልዮን ኤውሮ ልዓታዊ ሕገዝ፣ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዝሓለፈ ዓመት ክህቦ ከምዝወሰነ ኣይርሳዕን።

እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝካየድ ልምዓታዊ ፕሮጀክታት ዝሽፍን ሓገዝ፣ መብዛሕትኡ ኣብ ጽላታት ሕርሻን ጸዓትን ዘተኮረ ምዃኑ ይግለጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0