ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዘትዩ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዘትዩ

Radio Erena: 25 October 2015

Brus Eri

ንህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝዘተየ ዓውደዘተ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ተኻዪዱ።

ኣብቲ ታሕተዎት ኣካላት ኮሚቴ’ቲ ሕብረት ዝተሳተፍዎ ዓውደዘተ፣ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ግዱሳት ውልቀሰባትን ጋዜጠኛታትን ተሳቲፎም።

ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝበሃል ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከተጻሪ ብቆንስል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመት ኮሚሽን’ውን ኣብቲ ዓውደዘተ ተረኺባ፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዘቕረበቶ ጸብጻብ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃን፣ ኣኪባቶ ዘላ መርትዖታትን ዝምልከት መግለጺ ሂባ።

 

ወኪል ራድዮ ኤረና ብወገኑ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ሜድያን ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ናጽነት ሓሳባ ምግላጽ ማለት ባዕልኻ ንነብስኻ ፍርዲ ምሃብ ማለት ምዃኑ፣ ኣብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ዝሰርሑ ኣባላት’ውን እንተኾኑ ኣብ ቀጻሊ ፍርህን ሽቑረራን ከምዝርከቡ፣ ናይዚ መርኣያ ከኣ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዕድል ኣብ ዘዝረኸቡሉ ሃገሮም ገዲፎም ብብዝሒ ክስደዱ ከምዝግደዱ ሓቢሩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መወዳእታ’ዚ ዓመት’ዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ክልግሶ መዲቡዎ ዘሎ ናይ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣብ ባይታ መቆጻጸሪ መካኒዝም እንተዘይጌሩሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ተጠቃሚ ናይዚ ሓገዝ ምዃኑ ክረጋገጽ ኣሸጋሪ ብምዃኑ፣ እቲ ሕብረት ሓገዝ ቅድሚ ምሃቡ ኣብ ግምት ከእትዎ ከምዘለዎ ኣብቲ ዓውደ ዘተ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ጸሓፊት ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ፖሊሲ ምቅይያር ክገብር እንተኽኢሉ ንዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ከጉድሎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ምግላጻ ይዝከር።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0