ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኤርትራ 19 ሚልዮን ኤውሮ ህጹጽ ሓገዝ ኣበርኪቱ

Radio Erena: 03 July 2020

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኤርትራ 19.7 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ከምዘበርከተ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተበርከተ ሓገዝ፣ ኣብ ትግባረ ወቕታዊ እማመታት፣ ኣብ ምብርባር ቁጠባ፣ ምፍጣር ናይ ስራሕ ዕድላት፣ ምሕደራ ፍትሒን ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ዜጋታት ዝጠመተ መደባትን ክውዕል ምዃኑ ብ26 ሰነ ዝወጸ መግለጺ ናይቲ ሕብረት ኣነጺሩ።

እቲ ሕብረት፣ ንሱዳን 65 ሚልዮን ንደቡብ ሱዳን ድማ 5 ሚልዮን ኤውሮ፣ ንተመሳሳሊ ዕላማታት ምሃቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣቐዲሙ ካብቲ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝለገሶ ሓገዝ ገሊሉወን ንዝጸንሐ ኤርትራን ሱዳንን፣ ኣብዚ መደብ’ዩ ኣእትዩወን።

ኤርትራ፣ ህጹጽ ሓገዝ ክወሃባ ንሕብረት ኤውሮጳ ብወግዒ ምሕታታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተገሊጹ’ዩ።

እቲ ሕብረት፣ ኣቐዲሙ ንኤርትራ ክወሃብ ዝተመደበ 30 ሚልዮን ኤውሮ፣ ንሱዳን ክወሃብ ከምዝተወሰነ፣ ኣባላት ፓርላማ ኣብ 15 ሰነ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣረጋጊጾም።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሓበን 4 years ago

    ኣነ ብጣዕሚ እንድዩ ዝገርመኒ ንሶም እዮም ነኸጥፍኡና ላዕልን ታሕቲን ዝብሉ ዘለዉ ምኽንያቱ እዚ ጉጅለ ኣጸቢቆም እንዳፈለጥዎ ንምንታይ ከምዚ ይግበር ኣሎ ክርዳኣኒ ኣይከኣለን! ኤረና ከኣ ብጣዕሚ እንዳ ኣመስገና ስለቲ ኩሉ ትገብርዎ ዘለኹም ዓወትና ናይ ግድን እዩ ኣጀኹም ኣጆና ።