ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንሱዳን ልዕሊ 100 ሚልዮን ኤውሮ ለጊሱ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንሱዳን ልዕሊ 100 ሚልዮን ኤውሮ ለጊሱ

Radio Erena: 27 October 2017

EU official

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ሱዳን 106 ሚልዮን ኤውሮ ክልግሰሉ ከምዝወሰነ ካብ ብራስለስ ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ነቲ ገንዘብ ዝልግሶ ዘሎ፣ 60ሚልዮን ኣብ ናይ ልምዓት መደባት እቲ 46 ሚልዮን ከኣ ካብ መነባብርኦም ንምዝተመዛበሉ ንምሕጋዝ ክውዕል’ዩ ብዝብል እምነት’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ድሕሪ’ቲ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝብገሱ ስደተኛታት ንምግታእ ካብ 2011 ኣትሒዙ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ብዝኣተዎ ውዕላት፣ ዛጊት ናይ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዝግመት ሓገዝ ረኺቡ ኣሎ።

እቲ ብ”ካርቱም ፕሮሰስ” ዝፍለጥ ስደተኛታት ናይ ምግታእ መስርሕ፣ መንግስቲ ሱዳን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኩነታቶም ከየጻረየ ንምስጓግ ዘተባብዐ ደኣ’ምበር ዝኾነ ካልእ እወታዊ ውጽኢት ክርከቦ ከምዘይኮነ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ።

 

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ዝኣተዎ ውዕል፣ ዶብ ሱዳንን ሊብያን ክሰግሩ ንዝሓዞም ኣማኢት ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ጉዳዮም ኣብታ ሃገር ብዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከይተጻረየ፣ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘረከቦም ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0