ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ፊናንስያዊ ሓገዝ ደው ከብል ከምዝወሰነ ተገሊጹ

Radio Erena: 17 December 2020

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ፊናንስያዊ ሓገዝ ደው ከብል ከምዝወሰነ VRT ዝተባህለ ማዕከን ዜና ጀርመን ሓቢሩ።

እቲ ሕብረት፣ ንኢትዮጵያ ዝመደቦ 90 ሚልዮን ኤውሮ ፊናንስያዊ ሓገዝ’ውን ከይወሃብ ተወሲኑ ኣሎ።

ሃገራት ኤውሮጳ ነዚ ዝወሰና፣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዝተሓሓዝ’ዩ።

ተሰላሚ ናይ ኖቤል ስልማት ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ናብ ክልል ትግራይ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ ብኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ንዝቐረበሉ ጻውዒት ብተደጋጋሚ’ዩ ዝነጽግ ዘሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0