ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናብ ክሊ ኣየሩ ከይበራ ዝኣገደን መንገዲታት ኣየር ሩስያ 22 በጺሐን

Radio Erena: 07 June 2022

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናብ ክሊ ኣየሩ ከይበራ ዝኣገደን መንገዲታት ኣየር ሩስያ 22 ከምዝበጽሓ መርበብ ሓበሬታ ሸንገን ቪዛ ኣፍሊጡ።

በዓል መዚ ኣቭየሽን ናይቲ ሕብረት፣ ምስቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ ሩስያ ዝመደበረን ሓያሎ መንገዲታት ኣየር ናብ ክሊ ኣየሩ ከይኣትዋ ክኽልክል ጸኒሑ’ዩ።

ካብ ባሕቲ ሰነ ኣትሒዙ ድማ፣ ‘I Fly’ ዝተባህለት ኣብ ሩስያ ዝተመዝገበት መንገዲ ኣየር ናብ ኤውሮጳ ከይትኣቱ ብምኽልካሉ፣ እቲ ብዝሒ ናብ 22 ዓሪጉ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምስ ድሕነትን ጸጥታን ብዝተሓሓዝ፣ ናይ ኤርትራን ሱዳንን ዝርከበአን፣ ብሓፈሻ118 መንገዲታት ኣየር፣ ናብ ክሊ ኣየሩ ከይበራ ኣጊዱ ኣሎ።

ክኢላታት ኣቭየሽንን ድሕነት መንገዲ ኣየርን ናይቲ ሕብረት፣ ወቕታዊ ኣብ ዘካይድዎ ገምጋም’ዮም ፣ ንብቕዓት ነፈርቲን ድሕነት ገያሾን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ፍቃድ ዝህቡን ዝኽልክሉን።

ኣብ ልዕሊ መንገድታት ኣየር ሩስያ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ምኽልካል ስጉምቲ ግና፣ ፖለቲካዊ ውሳኔ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት የረጋግጹ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0