ሕብረት ኣፍሪቃ ቅርጺ ኣቃውማኡ ንምምሕያሽ ይሰርሕ

ሕብረት ኣፍሪቃ ቅርጺ ኣቃውማኡ ንምምሕያሽ ይሰርሕ

Radio Erena: 18 November 2018

headqሕብረት ኣፍሪቃ፣ ትካላዊ ኣሰራርሓኡ ንምምሕያሽ ዝሓንጸጾ መደብ፣ ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝወሰነ፣ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ሕብረት መበል 11 ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ዘካዪደሉ ዘሎ ኣብዚ ቀዳመ ሰምበት፣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተሓንጸጸ፣ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ፣ ቁጠባዊን ፋይናንስያዊን ምሕደራ፣ ተሓታትነት፣ ግሉጽነት ዝብሉን ካልእን ነጥብታት ብምልዓል፣ ኣብቲ ሕብረት ዘለዉ ጉድለታትን ድኻማትን ንምእራም፣ ሓድሽ ቅርጽን ኣወዳድባን ክህልዎ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ናይ 2018 ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ናይ ሩዋንዳ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ዕላማ ናይዚ ሓድሽ ኣወዳድባን ቅርጽን፣ ኣፍሪቃ ንምሕያልን፣ ንመጻኢ ወለዶ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣርን ምዃኑ ገሊጹ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ወጻኢታቱ ክሽፍን ብዘይምኽኣሉ፣ ጽግዕተኛ ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላት ኮይኑ ብምጽንሑ፣ ነታ ኣህጉር ብዝምልከት ኣገዳሲ ውሳኔታት ኣብ ምሕላፍ እውን፣ ኣብ ከምበዓል ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን እዩ ክውሰን ጸኒሑ።

ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጥርነፋ ኮሚሽናትን ካልኦት ትካላትን ንሓድሕደን ኮነ ምስቲ ሕብረት ብዓቢኡ ዘለወን ናይ ስራሕ ዝምድናን ተሓታትነትን፣ ነዊሕ ቢሮክራሲያዊ መስርሕ ዝሓልፍ ምዃኑ፣ ሓደ ካብቲ ክእረም ዘለዎ’ኳ እንተኾነ፣ ንዝተዋህበን ዕማም ብግቡእን ኣብ ግዚኡን ብዘይምፍጻመን ካልእ ዝዓበየ መሓንቖ ኮይኑ ምጽኑሑ’ዩ ዝግለጽ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0