ሕብረት ኣፍሪቃ፤ ፕረዚደንት ቱኒዝያ ንዝሃቦ ‘ዓሌታዊ ጽልኢ ዘለዓዕል’ መደረ ኮኒኑ

Radio Erena: 27 February 2023

እቲ ሕብረት ብ25 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ፕረዚደንት ቱኒዝያ ቐይስ ሰይድ፤ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ‘ዓሌትና ክብርዙ ዝመጹ’ ብምባል ብዝሃቦ መደረ፤ ቁጠዐ ከምዝተሰመዖን ይቕሬታ ክሓተሉን ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ካብ ቱኒዝያ ክስጎጉ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ እዩ።

ብመደረ ናይቲ ፕረዚደንት ዝተቖጥዑ ዜጋታት እታ ሃገር፤ሰላማዊ ሰልፍታት ክጽውዑ ቀንዮም እዮም።

ተጣበቕቲ መሰላት እታ ሃገር ብወገኖም፤ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝካየድ ናይ መደናገሪ መደረታት፤ ፕረዚደንት ሰይድ ክጥቀመሉ ምፍታኑ ከምዘጉሃዮም፤ ህዝቢ’ታ ሃገር ከኣ ብሓባር ክቃወሞን ጸዊዖም ኣለዉ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መግለጺኡ፤ ዓሌትነት ምውጋድ ሓደ ካብ መሰረታዊ ዕላማታቱ ምዃኑ ብምዝኽኻር፤ ኣባል ሃገራት ንዝኾነ ኣፍሪቃዊ ብሓደ ዓይኒ ናይ ምርኣይ ግዴታ ከምዘለወን፤ ስደተኛ ከኣ ካብ ዝኾነት ሃገር ይምጻእ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰብኣዊ ክብሪ ከምዘለዎን ፕረዚደንት ቐይስ ሰይድ ክግንዘብ ይግባእ ኢሉ።

ቱኒዝያ፤ ጸሊም ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ልዕሊ 21 ሽሕ ዜጋታት ኣለዉዋ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0