ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ብዝሒ ሰራዊቱ ከጉድል’ዩ

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ብዝሒ ሰራዊቱ ከጉድል’ዩ

Radio Erena: 14 February 2019

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ኣዋፊርዎ ዝርከብ ብዝሒ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከጉድል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መደብ፣ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ’ዚ ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ካብ ሶማል ክስሕቡ’ዮም።

እዚ ናይ ምስሓብ መደብ ናብ ግብሪ ዝሰጋገር ዘሎ፣ ላዕለዎት ኣዘንዝቲ ሰራዊት ናይቲ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት፣ ኣብ ሞቛድሾ ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምዝርራብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ እማመ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ሰራዊቱ፣ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ እዋን፣ ጠቕሊሉ ብምውጻእ፣ ምውሓስ ጸጥታ እታ ሃገር ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ክሰጋገር’ዩ ዝጠልብ።

እቲ ሕብረት፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ንኢትዮጵያዊ ጀነራል ነቲ ናይ ሶማል ተልእኾ ክመርሕ መዚዝዎ ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያ፣ ብሩንዱን ጅቡቲን ዝተዋጽአ ኣስታት 30 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር ንጸጥታ ሶማል ምሉእ ብምሉእ ከውሕስ ኣይከኣለን።

እቲ ሰራዊት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ጠቕሊሉ እንተወጺኡ፣ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ብዝያዳ ከየስፋሕፍሕ ስግኣት ብዙሓት ወገናት እታ ሃገር’ዩ።

======================  

COMMENTS

WORDPRESS: 0