ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንሱዳን ካብ ኣባልነት ገሊሉዋ

Radio Erena: 06 June 2019

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንሱዳን ካብ ኣባልነት ገሊሉዋ።

እቲ ሕብረት፣ ሎሚ ሓሙስ፣ 6 ሰነ፣ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፣ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ስልጣኑ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከሰጋግር ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰልፈኛታት ብዝወሰዶ ህይወት ኣስታት 100 ሰባት ዘህለቀ ስጉምቲን’ዩ።

ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ስልጣኑ፣ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ናብ ሶቪላዊ መንግስቲ ከረክብ’ዩ ጸቕጢ ክገብረሉ ጸኒሑ።

ብዛዕባ’ዚ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ንምዝታይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ካርቱም ከምርሕ ምዃኑ’ውን ምንጭታት ይጠቕሱ ኣለዉ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ንመርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ትድግፍ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

ብኣንጻሩ ኤርትራ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ሒዝዎ ንዘሎ መርገጺ’ያ ትነቅፍ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ላዕለዎት ኣባላቱ ይስሕብ ከምዘሎ ተገሊጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0