ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ የመን ንዝተሰሓበ ሰራዊታ ወትሃደራዊ ኣቀባበላ ጌራ

Radio Erena: 11 February 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ 2015 ኣትሕዙ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተሰሊፉ ናብ የመን ዝወፈረ ሰራዊታ፣ በብቁሪብ ምስሓብ ካብ እትጅምር ኣስታት ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ።

ሕቡራት ኢማራት፣ ነቲ ጠቕሊሉ ከምዝተመልሰ ዝግለጽ ዘሎ ሰራዊታ፣ ብሰንበት 9 ለካቲት ኣብ ወትሃደራዊ መዓስከር ዛይድ፣ ድሙቕ ወትሃደራዊ ኣቐባብላ ከምዝገበረትሉ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ናይ ካብ የመን ናይ ዝሰሓበ ሰራዊት ኣቐባብላ ስነ ስርዓት፣ ወራሲ ዓራት ኣቡዳቢን ላዕለዋይ ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራትን መራሒ ዱባይ ሸኽ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣል ሞኽቱምን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተረኺቦም።

ኢማራት፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊታ ጠቕሊላ ከምዝሰሓበት ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ካብ ክሊ ኣየርን ማይን ኤርትራ እናተበገሰት፣ ኣብ የመን ንዝካየ ናይ ነፈርቲ ስርሒታት ምስ ስዑዲ ዓረብ ትሳተፍ ከምዘላ ሑቲ ይገልጽ።

ሕቡራት ኢማራት፣ ሰራዊታ ካብ የመን ድኣ ትስሓብ እምበር፣ ንምንጻል ደቡብ የመን ዝጠልቡ ሚሊሻታት ብምዕጣቕ ኣብ ዓደንን ደሴት ሶኮትራን ከምዘዋፈረት በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሓያሎ ካብዞም ሚሊሻታት’ውን ኣብ ኤርትራ ድሕሪም ስልጣኖም ብመንገዲ ኣየረ ኢማራትስ ናብታ ደሴት ክዋፈሩ ከምዝጸንሑ ማዕከን ዜና ሶኮትራ ፖስት የቃልዕ።

ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒተን፣ ሓያሎ ሃገራት፣ ንሑቲ ንምድምሳስ ሰራዊተን ናብ የመን ኣዋፊረን እኳ እንተጸንሓ፣ ወትሃደራዊ ዓወታት ከይሰለጠን ሰራዊተን ይስሕባ ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

ሱዳን፣ ኣብ የመን ኣዋፊራቶም ዝጸንሐት ኣስታት 14 ሽሕ ሰራዊት ክትስሕብ እንከላ፣ ተሪፉኦም ዘለው ኣስታት 600 ወትሃደራት ‘ውን ኣብ ዝቕጽል ክትስሕቦም መደብ ከምዘለዋ’ያ ትጠቅስ።

ይኹን’ምበር፣ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተመርሓ፣ ኤርትራ እትርከበን 31 ልፍንቲ እዚ ኣብ የመን ዝተኻየደ ውግእ፣ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም፣ ህይወት 10ታት ኣሽሓት ሰለማውያን ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ምጥፋእ ከምዝተዋስአ’ዩ ዝውቀስ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0