ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ሓድሽ ወደብ ትሃንጽ ከምዘላ ይግለጽ ኣሎ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ሓድሽ ወደብ ትሃንጽ ከምዘላ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 18 April 2016

Ass

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ሓድሽ ወደብ ትሃንጽ ምህላዋ መርበባት ሓበሬታ ይገልጻ።

እቲ ብሳትላይት ካብ ዝተላዕለ ኣሳእል ተሰንዩ ቀሪቡ ኣብ ዘሎ ሓበሬታ፣ ኣብ 2013 ዝኾነ ናይ ህንጻ ንጥፈታት ከምዘይነበሮ ብምርግጋጽ፣ ድሕሪ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ስዑዲን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝኣተዎ ናይ ምትሕግጋዝ ኪዳን፣ ካብ መስከረም 2015 ንደሓር ግና ሓድሽ ህንጻዊ ንጥፈታት ጎሊሑ ይርአ ምህላዉ የረድእ።

እቲ መዓስከር ክኸውን ከምዝኽእል ዝተገመተ ህንጻ፣ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብን መሻርኽታን ን ወትሃደራዊ መዓላ ዘገልግል ወደብ ምዃኑ’ዩ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይጠቕሱ።

 

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ የመን ዝቐንዐ ሎጂስቲካዊ መሳለጥያታት ብመንገዲ ወደብ ዓሰብ ትረክብ ምህላዉ ይፍለጥ።

ሬድዮ ኤረና ኣብ 13 ሚያዝያ ኣብ ዘቕረበቶ ዜና’ውን፣ ወትሃደራውያን መራኽብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዘን ኣብ ወደብ ዓሰብ ተጸጊዐን ምህላወን ንወትሃደራውያን ምንጭታት ብምውካስ ከተረጋግጽ ክኢላ’ያ።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተበገሰ ወትሃደራዊ ምትእትታው ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ብምድጋፍ፣ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ ሎጂስቲካዊ መሳለጥያታት የበርክት ምህላዉ ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣቢሉ ምግላጹ ይዝከር።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0