ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኡጋንዳ ሳልሳይ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንምህናጽ ተሰማሚዓ

RADIO ERENA – Tuesday, 02 July 2024

ኡጋንዳ፣ ኣብታ ሃገር መበል ሳልሳይ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንምህናጽ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ተሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቬኒ፣ ብማሕበራዊ ሜድያ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኡጋንዳን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ነቲ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ምስ ኬንያ ኣብ ዘዳውብ፣ ከባቢ ኪደፖ ሃገራዊ ፓርክ ንምህናጽ ከምዝተሰማምዓ ኣረጋጊጹ።

ኩባንያ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኾነ ቤት ምኽሪ ንግዲን ኢንዱስትርን ሳርጃዩ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንምህናጽ ውዕል ከቲሙ።

እቲ ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ ክህነጽ ዝጅምር ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ነቲ ኣናብስ፣ ዘራፍን ካልኦት እንስሳታት ዘገዳምን ብብዝሒ ዝነበርሉ፣ ኣብ 1442 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝተደኮነ ሃገራዊ ፓርክ ንምዕዛብ ዝመጽኡ በጻሕቲን ካልኦትን ከተኣናግድዩ።

ናብ ኡጋንዳ ዓመታዊ ልዕሊ 800 ሽሕ በጻሕቲ ሃገር ይኣትዉ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0