ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ህጹጽ ኣኼባ መራሕቲ ቤት ምኽሪ ምትሕግጋዝ ሃገራት ወሽመጥን ሃገራት ዓረብን ተካይድ

Radio Erena: 19 January 2023

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣኼባ መራሕቲ ቤት ምኽሪ ምትሕግጋዝ ሃገራት ወሽመጥን ሃገራት ዓረብን ተካይድ ከምዘላ ተሓቢሩ።

እቲ ብፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ዝተጸውዐ ኣኼባ፣ ኣብቲ ዞባ፣ ጸጥታን ብልጽግናን ንምውሓስ ዘተኮረ ምምኽኻር ንምክያድ ዝዓለመ ምዃኑ ኣራብ ኒውስ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ18 ጥሪ ዝተኸፍተ ኣኼባ፣ መራሕቲ ኣባላት ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝኾና፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ባሕሬይን፣ ዖማን ቀጠርን ክሳተፉ እንከለዉ፣ መራሕቲ ግብጺን ዮርዳኖስን ድማ ንሃገራት ዓረብን ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ወኪሎም።

ዝርዝር ናይቲ እቶም ሽዱሽተ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣይተሓበረን።

መራሕቲ ግብጺን ዮርዳኖስን ናብ ኣኼባ ኣቡዳቢ ዘምርሑ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ምስ ሰበ ስልጣን ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤም፣ ኣብ ካይሮ ዘካየድዎ ምይይጥ’ዩ።

ኣብቲ ‘ምምኽኻር’ ተባሂሉ፣ ኣብ ኣቡዳቢ ብህጹጽ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ምትሕግጋዝ ወሽመጥ ዝኾና ስዑዲ ዓረብን ኩዌትን ኣይተሳተፋን።

እዘን ኣብቲ ዞባ ወሳኒ ተራ ዘለወን ክልተ ሃገራት፣ ኣብቲ ኣኼባ ዘይተሳተፋሉ ምኽንያት ብወግዒ ኣይተሓበረን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0