ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ኣብ ሶማል ንዝጸንዐ ማዕቀብ ኣጽዋር ከምዝጠሓሰት ክሲ ቀሪቡ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ኣብ ሶማል ንዝጸንዐ ማዕቀብ ኣጽዋር ከምዝጠሓሰት ክሲ ቀሪቡ

Radio Erena: 14 October 2018

uae_somaliaሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሶማልያ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ብተደጋጋሚ ትጥሕስ ኣላ ክብል ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከሲሱ።

እቲ ገና ንሕትመት ዘይበጽሐ ዘሎ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፣ ኢማራት ዓረብ ኣብ በርበራ ዝጀመረቶ ምህናጽ ወተሃደራዊ መዓስከር ትቕጽሎ ከምዘላን፣ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ተግዕዝ ከምዘላን ይወቅስ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምህናጽ’ቲ ወተሃደራዊ መዓስከር፣ ምስ ሰበስልጣን’ታ በይናዊ ናጽነት ዝኣወጀት ግዝኣት ሶማሊላንድ ድሕሪ ዘካየደቶ ስምምዕ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ያ ጀሚራቶ።

እቲ ኣብ በርበራ እትሃንጾ ዘላ ወደብ’ውን ንየመን ኣዝዩ ቀረባ ብምዃኑ፣ ንወተሃደራዊ መዓላ ክትጥቀመሉ መደብ ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

ሰበስልጣን ሶማል፣ ነዚ ኢማራት እትጥሕሶ ዘላ ወተሃደራዊ ማዕቀብ ኣመልኪቶም፣ ናብ ባይቶ ጸጥታ ተደጋጋሚ ጥርዓን ከቕርቡ ጸኒሖም’ዮም።

ኢማራት ዓረብ፣ ነዚ ብተቖጻጻሪ ጉጅለ ዝቐረበላ ክሲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፣ ንሕግን ቅዋምን ግዝኣታት ሶማል ብምኽባርን ስምምዕ ብምፍርራምን ዝጀመረቶ ፕሮጀክት ብምዃኑ ክትሕተተሉ ከምዘይግባእ እያ ትገልጽ።

መንግስቲ ሶማል፣ ጸጥታን ሰላምን ሃገሩ ንምኽባር ናይ ዝኾነት ሃገር ምትእትታው ከምዘይድግፍ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0