ሕቡራት ኢማራትን፣ ኩባንያታት ኢጣልያ፣ ሩስያን ቸክ ሪፖብሊክን፣ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ብምጥሓስ፣ ንኤርትራ ወትሃደራዊ ንዋት ይሸጣን  ስልጠናታት ይህባን ምህላወን ተገሊጹ

ሕቡራት ኢማራትን፣ ኩባንያታት ኢጣልያ፣ ሩስያን ቸክ ሪፖብሊክን፣ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ብምጥሓስ፣ ንኤርትራ ወትሃደራዊ ንዋት ይሸጣን ስልጠናታት ይህባን ምህላወን ተገሊጹ

Radio Erena: 14 November 2017

UNSC Eritrea

ኩባንያታት ሓያሎ ሃገራት፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ንዘንበሮ እገዳ ብምጥሓስ፣ ወትሃደራዊ ንዋት ይሸጣን ስልጠናታት ይህባን ምህላወን ጸብጻብ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ንኩነታት ኤርትራን ሶማልን ከጽንዕ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ጉጅለ፣ ብ8 ሕዳር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ብፍላይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሩስያ፣ ቸክ ሪፖብሊክን ኢጣልያን ኣብዚ ምስ ዚ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ጠቒሱወን ኣሎ።

ሕቡራት ኢማራት፣ ካብ 2012 ክሳብ 2015 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ 13 ኤርትራውያን ኣብ ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ንምስልጣን ከምዝተቐበለት ንቃል ምስክርነት ናይቶም ካብቲ ስልጠና ብምህዳም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ሓሙሽተ ሰባት ብምጥቃስ፣ እቲ ጉጅለ ኣቃሊዑ።

ብዘይካ’ዚ ሕቡራት ኢማራት ድሕሪ’ቲ ናይ የመን ኩነታት፣ ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ወትሃደራዊ መዓስከር ብምኽፋት፣ ታንክታትን ከቢድ ብረትን ዝርከቦ ወትሃደራዊ ኣጽዋር ኣዋፊራ ምህላዋ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ የገንዝብ።

ሓደ ኩባንያ ኢጣልያ’ውን ኣብ ሲቪላዊ መዓላ ንኸገልግላ’የን ኢሉ ዝሸጠን Augusta Bell ዝዓይነተን ክልተ ሄሊኮፕተራት፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወትሃደራዊ መዓላ ይጥቀመለን ምህላዉ ዘቃለዐ ጸብጻብ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት፣ ሩስያ ብወገና Mi-17 ዝዓይነታ ሄሊኮፕተር ንምጽጋን ምስቲ መንግስቲ ከምዝተሓባበረት ኣመልኪቱ።

ዚሊን ዝዓይነተን ፍርያት ቸክ ሪፖብሊክ ዝኾና ናይ ልምምድ ነፈርቲ’ውን ኣብ ኤርትራ ከምዘለዋ ዘረጋገጸ ተቖጻጻሪ ጉጅለ፣ ኩባንያታት እዘን ሃገራት ምስቲ ኣብ ትሕቲ እገዳ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባረን ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ዝጥሕስ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መገልጺ’ውን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ግሎኮም ካብ ዝተባህለ ምስ ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ዘለዎ ኩበንያ ዝሸመቶ ወትሃደራዊ ሬድዮ ርክባት ከምዝተታሕዘ ምቅልዑ ኣይርሳዕን።

እቲ ጉጅለ፣ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣልሸባብ ናይ ሶማል ርክብ ኣለዎ ዝብል ክሲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝኾነ መርትዖ ክረኽበሉ ከምዘይክኣለ ብምንጻር፣ ጉዳይ ኤርትራ ካብ ናይ ሶማል ተነጺሉ ክርአ ጸዊዑ።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ 2009 ኣብ ዝሕለፎ ናይ እገዳ ውሳኔ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣልሸባብ ምስ ዝርከቦም ጉጅለታት ሶማል ብምትሕብባር ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይዘርግ ኣሎ ዝብል’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣብ 2011 ኣብ ዘሕለፎ ተወሳኺ እገዳ፣ እቲ መንግስቲ ምስ ጅቡቲ ንዝተፈጥረ ምስሕሓብ ንኸይፍታሕ ኣብ ርእሲ ምሕንጋዱ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃዋኺ ተራ ይጻወት ኣሎ ዝብል ምንባሩ ይዝከር።

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኣብዚ ናይዚ ሳልስቲ’ዚ ጸብጻቡ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ንዝርከቡ ተቓወምቲ ምዕጣቕን ምስልጣንን ይቕጽሎ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0