ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ደርቂ ንምክትታል ኣብ ህጹጽ ሕክምና ዝዋፈር ጉጅለ ልኢኹ

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ደርቂ ንምክትታል ኣብ ህጹጽ ሕክምና ዝዋፈር ጉጅለ ልኢኹ

Radio Erena: 07 December 2015

Dr in Eth

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ንምክትታል ኣብ ህጹጽ ሕክምና ዝዋፈር ጉጅለ ከምዝልኣኸ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ፣ ነዚ ብሰንኪ ባህርያዊ ሓደጋ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ንምምካት ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ሓገዝ ድሕሪ ምሕታታ፣ ኣመሪካ ናይ ልዕሊ 90 ሚልዮን ረዲኤት ክትልግስ እንከላ፣ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ኣብ ህጹጽ ሕክምና ዝዋፈር ጉጅለ ልኢኹ ኣሎ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ፣ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝበኣሰ ኮይኑ፣ ብሰንኩ 8.2 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወግዒ ኣረጋጊጹ’ዩ።

 

በቲ ብሰንኪ ኤልኒኖ ዝተባህለ ንቁጽ ኩነታት ኣየር ዝተኸስተ ደርቂ ዝተጸልወ ከባቢታት እታ ሃገር ሰፊሕ ብምዃኑ፣ ቁጽሪ ንሓደጋ ደርቂ ዝተቓልዑ ኢትዮጵያውያን ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክንህር ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መሻርኽቲ ብምዃን ግዳያት ኣብ ምርዳእ ተጸሚዱ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ዛጊት ብሰንኪ’ቲ ደርቂ ዝሓለፈ ህወይት ሰብ ከምዘሎ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ኣምኢት ጥሪት ከምዝሞታ ግና ጸብጻብ ሪፖርተር ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር የመልክት።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0