ሓድሽ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ፈላሚ ኣህጉራዊ ዑደቱ ናብ ጅቡቲ የምርሕ

ሓድሽ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ፈላሚ ኣህጉራዊ ዑደቱ ናብ ጅቡቲ የምርሕ

Radio Erena: 30 April 2018

Ethiopian PM in Djibouti

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ፈላሚ ኣህጉራዊ ዑደቱ ኣብ ጅቡቲ ኣካይዱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቀዳም 28 ሚያዝያ ናብ ጅቡቲ ኣብ ዝኣተወሉ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ብምርኻብ፣ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣገልግሎታት ወደብን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝቕጽል ዘሎ ቁጠባውን ጸጥታውን ምትሕግጋዛት ብምትካር ከምዝዘተየ ተገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ቀዳማት ሚኒስተር ንፓርላማ ጅቡቲ መደረ ኣስሚዑ።

ንሱ፣ ኣህጉራዊ ዑደቱ ብጅቡቲ ምፍላሙ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንዘሎ ዝምድና ዝልዓለ ኣድህቦ ክህበሉ ምዃኑ ዝእንፍት’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ዋዕላ ጣና፣ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብምርኻብ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ከምዝተዘራረበ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0