ሓድሕድ ባእሲ ኤርትራውያን ብዘሕዝን መልክዑ ይቕጽል

RADIO ERENA – Tuesday, 28 May 2024

ትማሊ ሰንበት ኣብ ሸፊልድ ብሪጣንያ ኣብ ጎደናታት ብዝተፈጥረ ባእሲ ኤርትራውያን 22 ሰባት ኣብ ሕክምና ተዓቒቦም ከም ዘለዉ ደይሊ መይል ገሊጻ።

ድሕሪ’ቲ ዕግርግር ፖሊስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ 25 ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፣ ርእሶም ዝተሸፈኑ መንእሰያት ኣብ ዉድበርን ዝተባህለ ጎደና ሓቢሮም ክጎዓዙ የርኢ።

ስዒቡ ኣስታት 12 ዝኣባላታ ጉጅለ ንሓደ መንእሰይ ከቢቦም ብበትሪ ከምዝሃረምዎ ተገሊጹ።

እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ድሒሮም ካብቲ ከባቢ ክእለዩ እንከለዉ፣ እቲ መጥቃዕቲ ዝወረዶ ግዳይ ኣብ ባይታ ወዲቑ ከም ዝተረኽበ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ካልእ በቲ መጥቃዕቲ ሓደጋ ዝወረዶ ሰብ ድማ ብኢዱን ብርኩን ተደፊኡ ኣብቲ ከባቢ ወዲቑ ተረኺቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኣብ ተልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሃቲክቫ ትማሊ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ሓደ ሰብ ሞይቱ።

በቲ ዕግርግር ብውሕዱ ሓሙሽተ ክቆስሉ ከለዉ ሰለስተ ድማ ብኸቢድ ከምዝቖሰሉ ሰራሕተኛ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ማገን ዳዊት ኣዶም ሓቢሩ።

ፖሊስ ልዕሊ 20 ሰባት ኣብ ቀይዲ የእትዩ።

 

ስእሊ፤ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0