ሓደ ካብ መስረቲ ማሕበር ሸውዓተ፣ ገዲም ተቓላሳይ ያሲን መሓመድ ዑመር ሳልሕ ዓቓዳ ኣብ ስደት ዓሪፉ

ሓደ ካብ መስረቲ ማሕበር ሸውዓተ፣ ገዲም ተቓላሳይ ያሲን መሓመድ ዑመር ሳልሕ ዓቓዳ ኣብ ስደት ዓሪፉ

Radio Erena: 13 May 2015

ELM

ሓደ ካብ መስረቲ ማሕበር ሸውዓተ ወይ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ፣ ገዲም ተቓላሳይ ያሲን መሓመድ ዑመር ሳልሕ ዓቓዳ ኣብ መበል 82 ዓመቱ፣ ብ11 ግንቦት 2015፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ጀዳ ዓሪፉ።

ያሲን መሓመድ ዑመር ሳልሕ ዓቓዳ፣ ኣብ 1958 ንናጽነት ኤርትራ ዝቖመ ምንቅንቓስ ሓርነት ኤርትራ ወይ ማሕበር ሸውዓተ ካብ ዝመስረቱ ገዳይምን ሓርበኛታት ኤርትራ ኮይኑ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ 1962 ብስርዓት ሃይለስላሴ ዝተቐየደ’ዩ።

ገዲም ተቓላሳይ ያሲን መሓመድ ዑመር ሳልሕ ዓቓዳ ድሕሪ ማእሰርቱ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ፣ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከባቢታትን ኤርትራን ንምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ንምስፋሕ ሓያል ጻዕሪ ከምዘካየደ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ይገልጹ።

 

ኣብ 1933 ኣብ ዙላ ዝተወልደ ገዲም ተቓላሳይ ያሲን መሓመድ ዑመር ሳልሕ ዓቓዳ፣ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ዝቖመ መንግስቲ ንዝኽተሎ ኣካይዳን ምልካዊ ባህርያቱን ክቃወም ጸኒሑ’ዩ።

ብሰንኩ ድማ ክሳብ መበል 82 ዓመት ዕድምኡ ኣብ ስደት ክጸንሕ ከምዝተገደደን፣ ብ11 ግንቦት ድሕሪ ምዕራፉ’ውን ሬስኡ ኣብ ስደት ሓመድ ኣዳም ከምዝለበሰን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0