ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ልዕሊ 80 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቀይዶም

ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ልዕሊ 80 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቀይዶም

Radio Erena: 07 July 2015

80 ethi

ሓይልታት ጸጥታ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ልዕሊ 80 ዜጋታት ኢትዮጵያ ቀይዶም።

እቶም ሎሪ ብዝዓይነታ መኪና ተጻዒኖም ኣብ ጥቃ ከተማ ጋሮወ ዝተታሕዙ ኢትዮጵያውያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ንምስጋር ዝሓለኑ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

እቶም ስደተኛታትን መራሒ እታ ሎሪ ዝዓይነታ መኪናን ኣብ ከተማ ጋሮወ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ተቀይዶም ከምዘለው ዘረጋገጸ ሓደ ካብ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ፣ እቶም ኢትዮጵያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኖም ኣንፊቱ።

 

ኣብዘ ዝሓለፋ ዓመታት፣ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ፑንትላንድ ዝሰግሩ 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ የመን ከምዝኣተዉ ጸብጻብ ትካላታ ስደተኛታት የመልክት።

ይኩን’ምበር ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ እታ ሃገር ንስደተኛታት ውሕስነት ኣብ ርእሰ ዘይምህላዋ፣ ምስ ስዑዲ ዘለዋ ዶብ’ውን ብጽኑዕ ተዓጽዩ ይርከብ።

ኣብ የመን ኣብ ዝተወልዐ ኵናት ኣብ መንጎ ተዓጊቶም ካብ ዝነበሩ ኣሽሓት ስደተኛታት ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኤርትራን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣማኢት ዜጋታቱ ከውጽእ እንከሎ፣ በንጻሩ ድማ ናብ የመን ንምስጋር ዝሓለኑ 10ታት ኢትዮጵያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ፑንትላንድ ይኣቱ ኣለዉ።

=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0