ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ኣብ ባጽዕ፣ ብሓባር ንዝጽልዩ ዝነበሩ ኣመንቲ ክርስትና ቀይዶም

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ኣብ ባጽዕ፣ ብሓባር ንዝጽልዩ ዝነበሩ ኣመንቲ ክርስትና ቀይዶም

Radio Erena: 14 September 2016

Massawa

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከተማ ባጽዕ፣ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብሓባር ንዝጽልዩ ዝነበሩ ኣመንቲ ክርስትና ቀይዶም።

እቶም ዝሓለፍ ሰሙን ዝተታሕዙ ኣመንቲ ክርስትና፣ ኣብ ጥቓ ጋራጅ ፈንቅል ኣብ ዝርተደኮነ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለው ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ገሊጾም።

እዚ ሓድሽ ቤት ማእሰርቲ፣ ኣቐዲሙ ኣብታ ከተማ ዝርከብ መደበራት ፖሊስን ድጓናን ንብዝሒ እሱራት እኹል ብዘይምዃኑ፣ ኣብዚ ቀረባ ዝተሃንጸ’ዩ።

ደሃይ ኣባላት ስድራቤቱ ንምሕታት ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝመጽእ ዝኾነ ሰብ ከኣ፣ ምሉእ ስሙን ኣድራሽኡን እናመዝገቡ የፋንውዎ ከምዘለዉ’ዩ ዝጠቕስ እቲ ሓበሬታ።

ኣብዚ ከተማ ባጽዕ ልዑል መጠን ሙቐት እተመዝግበሉ ወቕቲ፣ ብዘይዝኾነ መሰረታዊ ቀረባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣትዉ ዜጋታት፣ ከቢድ ስቓይ ከምዘሕልፉ’ዩ ዝንገር።

መንግስቲ ኤርትራ፣ 90 ዓመት ንዝዕድሚኦም፣ መበል ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ኤርትራ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮንስ ዝርከብዎም፣ ኣማኢት መራሕቲ ሃይማኖት፣ ካህናትን መሻይኻትን ከምኡ ድማ ኣሽሓት ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታትን ንሓያሎ ዓመታት ቀይዱ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0