ሓይልታት ግብጺ፣ ወትሃደራዊ ልምምድ ንምክያድ ናብ ሱዳን ኣትየን

Radio Erena: 15 November 2020

“ንስርታት ናይል 1” ዝተሰምየ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ግብጽን ሱዳንን ክሳብ 26 ሕዳር ክካየድ’ዩ።

እቲ ሓይልታት ምድርን ኣየርን ዘሳትፍ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ ምጥቃዕን ምክልኻልን ዝዓለመ ምዃኑ ኣዛዚ ሓይልታት ግብጺ፣ ጀነራል ታማር ኣል ረፋዒ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሓባራዊ ልምምድ ዝሳተፉ፣ ፍሉያት ሓይልታትን ኮሞንዶን ዘጠቓለለ ኣሃዱታት ግብጺ፣ ብ14 ሕዳር፣ ኣብ ሱዳን ናብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ማርዋ ኣትየን ኣለዋ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብቲ ልምምድ ናይ ዝሳተፋ ብዝሒ ነፈርቲ ይኹን ኣሃዱታት ኣይተመልከተን።

ግብጽን ሱዳንን፣ ዝሓለፈ ቅንያት ድሕሪ ዝበጽሐኦ ስምምዕ ወትሃድራዊ ምትሕግጋዝ’ዩ፣ እዚ ብዓይነቱ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ዘካይዳ ዘለዋ።

ሃገርዊ ሰራዊታ ብዘመናዊ መልክዕ ንምህናጽ መደብ ከምዘለዋ ብወግዒ ዘፍለጠት ሱዳን፣ ንሓገዝ ብቀዳምነት ካብ ዝጠመተትን ሃገራት ሓንቲ ግብጺ’ያ።

እዚ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ’ዚ፣ ኣብቲ ንኢትዮጵያን ግብጽን ብዝያዳ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል፣ ሱዳን፣ ማእከላይ መርገጺ ንኸይትሕዝ ከገድዳ ከምዝኽእል ተንተንቲ ይጠቕሱ’ዮም።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0