ሓይልታት ኦሮሞ፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፣ ከተማ ነቐምተ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ 10ታት እሱራት ከምዘፍትሑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 07 November 2022

ሓይልታት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ኣብ ነቐምተ ኣብ ዘካየድዎ ወትሃደራዊ ስርሒት 10ታት እሱራት ከምዘፍትሑ ይግለጽ ኣሎ።

እቶም ሓይልታት፣ ናብ ሰንበት 06 ሕዳር ዘውግሐ ለይቲ፣ ኩምሳ ሞሮዳ ኣብ ዝተባህለ፣ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቦ ወትሃደራዊ ማእከል፣ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት’ዮም ነቶም እሱራት ከውጽእዎም ከምዝኸኣሉ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብታ ኣብ ምዕራብ ወለጋ እትርከብ ከተማ ነቐምተ፣ ጽዕጹዕ ቶዅሲ ከምዝሓደረን ሓይልታት ኦሮሞ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ከተማ ዝነበረ መንግስታዊ ትካላት ከምዘጥቅዑን ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብታ ከተማ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ይኹን ምፍታሕ እሱራት ብሓይልታት ኦሮሞ ብዝምልከት፣ ናይ እወታ ይኹን ናይ ኣሉታ መግለጺ ኣይሃበሉን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0