‘ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ከተማ ቆቦ ብዝሒ ዘለዎም ሰላማውያን ሰባት ረሺኖም’፣ ዘ ጋርድያን

Radio Erena: 16 October 2022

ሓይልታት ትግራይ፣ ንገለ ክፋል ክልል ኣምሓራ ተቖጻጺሮምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፣ ብዝሒ ዘለዎም ሰላማውያን ሰባት ረሺኖም፣ ክብል ዘ ጋርድያን ካብቲ ፍጻሜ ዘምለጡ ንዝበሎም ውልቀሰባት ብምጥቃስ ሓቢሩ።
እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ቆቦ ከምዝተፈጸመ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፣ ካብ 13 ክሳብ 15 መስከረም ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ሓይልታት ትግራይ፣ ንምልሻ ኣምሓራ ትድግፉ ኔርኩም ንዝበልዎም ሰላማውያን ሰባት ከምዝረሸንዎም እዩ ተገሊጹ።
ኣብ ሓደ ከባቢ ጥራይ ብውሑዱ 17 ሬሳታት ሰላማውያን ሰባት ከምዝቖጸሩ ዝገለጹ እቶም ንዘ ጋርድያን ቃሎም ዝሃቡ ነበርቲ፣ ሓይልታት ትግራይ ገዛ-ገዛ እንዳኣተዉ ተፍትሽ ድሕሪ ምክያዶም፣ ምስ ምልሻታት ኣምሓራ ትተሓጋገዙ ኔርኩም ንዝበልዎም ወሲዶም ከምቀተልዎም ሓቢሮም።
ሓንቲ ጓል 60 ዓመት ኣደ ምስ ወዲ 17 ዓመት ወዳ፣ ‘በዓል ቤትኪ ምልሻ ኣምሓራ’ዩ’ ብምባል ኣብ ጎልጎል ኣውጺኦም ከምዝቐተልዎም እውን እቶም ብዓይንና ርኢና ዝበሉ ዘ ጋርድያን ዘዘራረቦም ሰባት ሓቢሮም።
ኣብ እዋን’ቲ ፍጻሜ፣ ኣብ ከተማ ቆቦ ተኹሲ ከምዘይነበረ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0