ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ጥሪት ይገፉ

Radio Erena: 21 July 2019

ኣብ ከተማ ኣስመራ ናይ ሰብን ጥሪትን ከቢድ ግፋ ክካየድ ከምዝቐነየ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ንጥሪት ብዝምልከት፣ ካብ ገጠራት ኤርትራ መጺኦም ኣብ ከተማ ኣስመራ ክሸጡ ኣብ ዝፈተኑሉ፣ ንሓያሎ ካብኣቶም ጥሪቶም ከምዝዘመቱዎም ነዚ ሓበሬታ ዝለኣኹ ምንጭታት ኣመልኪቶም።
ነቲ ግፋ ዘካየዳ ኣሃዱታት ምክልኻል ነቶም ጥሪቶም ዝወሰዱሎም ሓረስቶት ‘ተሃጊረን’ ዝብል ቁራጽ ወረቐት ጥራይ ሂቦም ከምዘፋነዉዎም ተፈሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝተኻየደ ግፋ፣ ምስ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል ምንጭታትና የመልክቱ።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ ንቡር ንላዕሊ ሓለዋ ጽዒቑ ከምዝቐነየ ተሓቢሩ። ከምዝፍለጥ፣ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከምቲ ናይ ፈለማ ዘይኮነ፣ ኣዝዩ ዝሕቱል ኣቀባብላ እዩ ገይሩሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብፕረዚደንትን ላዕለዎት ሰበስልጣናት ክልቲኤን ሃገራትን ተሰንዩ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ናብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብእግሪ ኣብ ዝተጓዕዘሉ እውን፣ ብዘይካ ውሑዳት፣ ፍሕሹው ኣቀባብላ ከምዘይረኸበ እዮም ምንጭታትና ጠቒሶም።

ቀንዲ ምኽንያት ናይ’ዚ ድማ እቲ ዓሚ ዕርቀ-ሰላም ዝተባህለ፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ለውጢ ብዘይምምጽኡ፣ ዕርቂ ክልተ መራሕቲ ደኣምበር፣ ንጥቕሚ ህዝቢ ዘቐደመ ሓቀኛ ሰላም ከምዘይኮነ ህዝቢ ስለዝተገንዘበ ሙዃኑ ምንጭታትና ዘመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    Thomas 5 years ago

    Under this lawless brutal ductator Eritrea is desperately at high risk.

  • comment-avatar
    Hasewti 5 years ago

    Hasewti