ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ፣ ሓደ የመናዊ ሞይቱ

Radio Erena: 17 August 2021

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ፣ ሓደ የመናዊ ከምዝሞተ ማዕከናት ዜና የመን ሓቢረን።
ኣኽባር ኣልየመኒ ብወገኑ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ካልኦት ክልተ ገፈፍቲ ዓሳ’ውን ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ተዓቚቦም ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት ሓበሬታ’ቲ ማዕከን ዜና፣ ኣብቲ ብቀዳም 14 ነሓሰ ዘጋጠመ ፍጻሜ፣ ኣብ ከባቢ ማያት ደሴት ሓኒሽ፣ ብጉጅለ ተጠርኒፎም ዓሳ ኣብ ልዕሊ ዝገፉ ዝነበሩ የመናውያን እዮም፣ ሓይልታት ባሕርያ ኤርትራ ተኹሲ ከፊቶምሎም።
እቲ ዓብዱል ባሪ መሓመድ ዝተባህለ ገፋፍ ዓሳ ብኡ ንብኡ ክመውት እንከሎ፣ እቶም ክልተ ካልኦት ብዝተተኮሰሎም ጥይት ዘይኮነ፣ ብከቢድ ማህረምቲ ቆሲሎም እዮም ናብ ኣል ማካ ናብ ዝተባህለ ሆስፒታል ዝተወስዱ።
ብተወሳኺ ንብረቶም ኩሉ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝዓነወ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ገሊጾም።
ክሊ ማያት ኤርትራን የመንን ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ተዳንዩ ክነሱ፣ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት ብተደጋጋሚ ይረአ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    ሓነሽ ን ምግፋፍ ዓሳ ኣይጥምን እዩ እዞም ሰባት ኩሉ ግዜ ከባቢ flat island መጺኦም እዮም ዝገፉ ኣብ መሬትካ ዝኣተወካ ክዝበጥ ጥራይ እዩ ዘለዎ