ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ናብ ኤርትራ ዘቕንዓ መራኽብ ክዓግት ኣባል ኮንግረስ እታ ሃገር ጸዊዑ

Radio Erena: 24 October 2021

ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ናብ ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይበጽሕ ዓጊቶም ስለዝርከቡ፣ ንምፍትሑ መንግስቲ ኣመሪካ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ ጻውዒት ቀሪቡ።

እቲ ጻውዒት ዝቐረበ፣ ኮሚቲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብዚ ሰሙን፣ ኣብ ኵናት ትግራይን ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ኣብ ዘካየዶ ዘተ’ዩ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፣ ፎክስ ኒውስ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ንሰልፊ ሪፖብሊካን ዝወከል ኣባል ኮንግረስ፣ ብራድሊ ጄምስ ሸርማን፣ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ነቲ ኮሚተ ኣብ ዘቕረቦ ምሕጽንታ፣ ሓይልታት ኣመሪካ፣ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስጉምታት ክወስድ ከምዘይድፍ እኳ እንተገለጸ፣ ሓይሊ ባሕሪ ሃገሩ ግና፣ ናብ ኤርትራ ንዘቕንዓ መራኽብ ክዓግት ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቡ።

ንሱ ነዚ ዘተሓሳሰበ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ረዲኤት ከይኣቱ ዓጊቱ ስለዘሎ ምዃኑ’ዩ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ ኣባል ኮንግረስ ሽርማን ዘቕረቦ እማመ፣ ብኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ብምልኣት ተቐባልነት ዝረክብ ኣይመስልን ክብል ፎክስ ኒውስ ርእይቶኡ ኣቐሚጡ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ብዛዕባ እቲ እማመ ብዝምልከት ርይእቶ ወይ ግብረ መልሲ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ንምፍላጥ፣ ንኣቦመንበር እቲ ኮሚተ፣ ኣባል ኮንግረስ ግሪጎሪ ሚክስን ካልኦት ኣባላትን ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ከምዘይሰለጦ ኣመልኪቱ።

ኵናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፣ ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝገበርዎ ከበባ፣ ረዲኤት ከምቲ ዝድለ ምብጻሕ ከምዘይተኻእለ’የን ሃገራት ምዕራብን ኣህጉራውያን ትካላትን ዝወቕሳ።

ብፍላይ ኣመሪካ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት፣ ህጹጽ ረዲኤት ንዘድልዮ ህዝቢ ምትዕንቓፍ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ብምውቃስ፣ ዝተረረ እገዳ ከተተግብር ምዃና’ያ ተጠንቅቕ

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0