ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ልዕሊ 5 ሽሕ ስደተኛታት ዝጸዓና ብውሕዱ 22 ጀላቡ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣድሒኑ

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ልዕሊ 5 ሽሕ ስደተኛታት ዝጸዓና ብውሕዱ 22 ጀላቡ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣድሒኑ

Radio Erena: 13 April 2015

Italy22boats

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ዝነበረ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 5 ሽሕ ስደተኛታት ዝጸዓና ብውሕዱ 22 ጀላቡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ምጥሓል ከምዘድሓነ ገሊጹ።

ትማሊ ከምዝደሓና ኣብ ዝግለጽ ዘሎ ኣስታት 10 ዝኾና ጀላቡ፣ ቆልዑ ዝሓዛ ደቂንስትዮን ነብሰ ጾራትን ዝርከብኦም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸዓና ምንባረን’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ገለ ካብቶም ድሒኖም ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ብምሕባር ቅልጡፍ ናይ ህወይት ኣድሕን ጻውዒት ከቕርቡ ዝጸንሑ’ዮም። 

መንግስቲ ኢጣልያ ካብ ዓርቢ 10 ሚያዝያ ክሳብ ሎሚ ሰኑይ 13 ሚያዝያ ኣብ ዝነበራ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ስደተኛታት ዝተተኽተኻ ልዕሊ 22 ጀላቡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዘድሓነ ብምርግጋጽ ሃገራት ኤውሮጳ ህጹጽ ሓገዝ ከበርክታ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

እቶም ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝደሓኑ ስደተኛታት ብድምር 5,627 ከምዝበጽሑ ዝሓበረ እቲ መንግስቲ፣ ናይ 10 ዝኾኑ ሬሳ’ውን ኣብ ባሕሪ ከምዝረኸበ ኣመልኪቱ።

ናብ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘአግሐ ለይቲ ካብ ገማግም ባሕሪ ዝተበገሳ 10 ዝኾና ጀላቡ ከምዘለዋ’ውን ይንገር ኣሎ።

ስደተኛታት ዝጸዓና ጭፍራ ጀላቡ ብብዝሒ ዝብገሳሉ ዘለዋ ምኽንያት፣ ኣብዚ ወቕቲ’ዚ ህድኣት ባሕሪ ስለዘሎ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። 

===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0