ሓባራዊ ኮሚተ ሚኒስተራት ሱዳንን ቀጠርን ኣኼባ የካይድ

ሓባራዊ ኮሚተ ሚኒስተራት ሱዳንን ቀጠርን ኣኼባ የካይድ

Radio Erena: 17 October 2017

sudan qatar

ሓባራዊ ኮሚተ ሚኒስተራት ሱዳንን ቀጠርን፣ መበል ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ።

እቲ ትማሊ 16 ጥቅምቲ ፈሊሙ ሎሚ ዝዛዘም ኣኼባ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዘሎ ንግድን ቁጠባዊ ሽርክናን ንምዕባይ ዝዓለመ’ዩ።

ቀጠር ኣብ ሱዳን ናይ ልዕሊ 2 ቢልዮን ወፍሪ ንምክያድ ውጥን ከምዘለዋ’ያ ትገልጽ።

እንተኾነ፣ እቲ ኣብ መንጎ ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን ዝተኸስተ ምስሕሓብ፣ ነታ ምስ ክልቲኤን ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ሱዳን ከይጸልዋ ተሰጊኡ’ዩ ጸኒሑ።

ሱዳን፣ ናይ ዝኾነ ይኹን ወገን ጸግዒ ከይሓዘት፣ ኣብ ዕርቅን ሽምግልናን ዝተመርኮሰ መርገጺ ምሓዛ፣ እቲ ኣቐዲማ ምስ ቀጠር ዝጀረመረቶ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ክትቅጽሎ ትርአ ኣላ።

 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣሚር ናይታ ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ሃገራት ወሽመጥ ከም ናይ ሱዳን ተመሳሳሊ መርገጺ ዘለዋ ኩዌት፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም።

ኣሚር ኩዌት ሸኽ ሰባሕ ኣል ኣሕመድ ብ16 ጥቅምቲ ናብ ሪያድ ዝኣተወሉ ምኽንያት፣ ቅድሚ’ቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፣ ኣብ ኩዌት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ ሃገራት ወሽመጥ፣ ኣብ መንጎአን ተፈጢሩ ንዘሎ ምስሕሓብ ናብ ዘተ ንምቕራበን ተበግሶ ንምውሳድ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጹ።

ምስሕሓብ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን፣ ንዞባታት ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብቀጥታ ጸልይዎ ምህላዉ ይፍለጥ።

=-=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0