ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብጉዳይ ሕክምና ናብ ደገ መረረታት የስምዑ

ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብጉዳይ ሕክምና ናብ ደገ መረረታት የስምዑ

Radio Erena: 22 August 2017

sembel

ኣብ ዝተፈላለያ ክፍልታት መንግስትን ህግደፍን ዝርከቡ ሓለፍቲ፣ ብጉዳይ ሕክምና ናብ ደገ መረረታት የስምዑ ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ፣ ብሕማም ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ሓለፍቲ፣ ገሊኦም ናብ ሱዳን፣ ገሊኦም ከኣ ናብ ኢጣልያ ናብ ሕክምና ክልኣኹ እንከለዉ ገሊኦም ግና ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት እንዳኮርያን ሓይሊ ኣየርን ክሕከሙ ጥራይ ስለዝእዘዘሎም፣ ናብ ናይ ደገ ሕክምና ኣብ ምልኣኽ ሌላን ጉሌላን ከምዘሎ ብግሁድ ኣብ ኣኼባታት ይዛረቡ ምህላዎም ጠቒሶም።

“ኣብ መዳይ ሕክምና ብዘመዝገብናዮ ዓወታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝወዳደረና የለን፣” እናበለ ዝጉስጉስ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም ቀንዲ ኣገልገልቱ ኣብ ሱዳንን ኢጣልያን ከምዝሕከሙ ይገብር ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ እቶም ናይ ደገ ሕክምና ክረኽቡ ዕድል ዘይገበሩ ሓለፍቲ ናይቲ ስርዓት፣ ኣብ መስርሕ ምልኣኽ ናብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ሆስፒታል ብልሽውና ይፍጸም ኣሎ፣ እናበሉ ወግሐ ጸብሐ ከማርሩ ‘ዮም ዝስምዑ ዘለዉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0