ሑቲ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ንዝርከባ ደሴታት ኣጥቂዑ

Radio Erena: 03 February 2017

Houthi Attack

ሑቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ደሴታት ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ መግለጺ፣ ነታ ከም ወትሃደራዊ መዓስከር ስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን እተገልግል ዘላ ደሴት ዝቑር ከምዝደብደባ ኣረጋጊጹ።

በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ግና ኣይሓበረን።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ ደሴታት ኤርትራን የመንን ግዝያዊ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣቝመን ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

ሑቲ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘካየዶ ካልእ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንእትንቀሳቐስ ዝነበረት መርከብ ስዑዲ ዓረብ ኣዕንዩ።

ብሰለስተ ንኣሽቱ ጀላቡ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ወትሃደራዊት ምዃና ንዝተገልጸ ዓባይ መርከብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ከበባ ብምእታው፣ ከምዘቃጸላ ማዕከናት ዜና ወሽመጥ ሓቢረን።

ኣብቲ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ ክልተ ስዑዳውያን ወትሃደራት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

እቲ፣ ብኣመንቲ እስልምና ሺዓ ዝቖመ ሑቲ፣ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ’ውን ንወትሃደራዊ መርከብ ሕቡራት ኢማራት ከምዘጥቅዐ ዝዝከር ኮይኑ፣ እታ መርከብ ድሕሪ ዝወረዳ ከቢድ ዕንወት ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ተሳሒባ ናብ ወደብ ዓሰብ ከምዝተጸግዐት ኣይርሳዕን።

ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ብዝፈነወሉ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓደ ዓመት ካብ ሓያሎ ዓበይቲ ከተማታት ክለቅቕ ተገዲዱ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ኣብ የመን ወትሃደራዊ ጸብለልታ ዘለዎ ሑቲ ምዃኑ ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0