ልኡኽ UNHCR ፣ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘለዉ ሶማላውያን ስደተኛታት ዘትዩ

ልኡኽ UNHCR ፣ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘለዉ ሶማላውያን ስደተኛታት ዘትዩ

Radio Erena: 12 July 2018

somali in eriፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ ሶማላውያን ስደተኛታት ኣምባሳደር መሓመድ ዓብዲ ኣፈይ ዝመርሖ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ህሉው ኩነታት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተዘራሪቡ።

እቲ ልኡኽ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ሶማላውያን ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ናብ ካልእ ሃገር ክወጹ ንዝደልዩ ክፍቀደሎም ዝሓትት’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ክሳብ ግንቦት 2018 ኣብ ዝነበረ ግዜ 2258 ስደተኛታት ከምዘለዉ ዘነጸረ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እቶም 2153 ሶማላውያን ምዃኖም ኣስሚርሉ።

እቶም ሶማላውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢ እምኩሉ ኣብ ዝተደኮነ መዓስከር ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር እዞም ስደተኛታት ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብቲ መዓስከር ዝተታሕዙ ምስ ምዃኖም፣ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ክሰጋገሩ እንተደልዮም፣ መንግስቲ ኤርትራ መውጽኢ ቪዛ ክተሓባበሮም’ዩ እቲ ወኪል ዝምሕጸን።

ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ምክትል ዳይረክተር ድሕነት ስደተኛታት ሻህራዛድ ታጂባክሽን ሓላፊ ኣሃዱ ሕግን ፖሊሲን ኣብ ዞባዊ ኣፍሪቃ ሊዮናርድ ዙሉን ይርከብዎም።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0