ልኡኽ ኢማራት፣ ኣርማ ማንቸስተር ሲቲ ዝተለጠፋ ነፋሪት ተጠቒሙ ናብ ሱዳን ምስጢራዊ ምብጻሕ ምክያዱ ተገሊጹ

Radio Erena: 06 May 2020

ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታ ታሕኑን ቢን ዛይድ ዝምራሕ ልኡኽ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣርማ ማንቸስተር ሲቲ ብዝተለጠፋ ነፋሪት ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም፣ ኣብ ጉዳይ ሊብያንን ንጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ንምድጋፍ ኣብ ዝግብር ጻዕርታትን ከምዝተመያየጠ ሊብያ ኤክስፕረስ ሓቢራ።

ኣልጀዚራ እትርከበን ሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓረብ’ውን፣ ንምብጻሕ እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢማራት ናብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብምርግጋጽ፣ ዕላማ እቲ ዑደት፣ ነቲ ኣንጻር መንግስቲ ሊብያ ዝዋጋእ ዘሎ ብጀነራል ሓፍታር ዝምራሕ ሓይሊ ንምድጋፍ ምዃኑ ኣነጺረን።

ልኡኻት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብክልተ ነፈርቲ ናብ ካርቱም ከምዝኣተዉ ብምጥቃስ እታ ሓንቲ ኣርማ ዓባይ ኢንግሊዛዊት ክለብ ኩዕሶ እግሪ ማንቸስተር ሲቲ ከምዝተለጠፋ ኣመልኪቶም።

እተን ነፈርቲ ሒደት ሰዓታት ኣብ ካርቱም ድሕሪ ምጽናሕ ሓንቲ ናብ ኣቡዳቢ’የን ኣምሪሐን።

ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ብዛዕባ’ዚ ኣርማኣ ዘለዋ ነፋሪት ተጠቒሞም ኣካይዶሞ ዝተባህለ ምስጢራዊ ምብጻሕ ሰበ ስልጣን ኢማራት ናብ ሱዳን ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ሰሙን’ቲ፣ ካብ ሕቡራት ኢማርት ዝመጸት ነፋሩት ኣብ ካርቱም ሒደት ሰዓታት ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ቻድ ከምዘምርሐት’ውን ኣልጀዚራ ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንሓይልታት እቲ ጀነራል ንምድጋፍ፣ ንኤርትራን ግብጽን’ውን ከም መሰጋገሪ እናተጠቕመት፣ ናይ ወትሃደራዊ ድጋፍ ክትልእኽ ምጽንሓ’ያ’ዩ ዝግለጽ።

ስእሊ፣- ሰነዳት ኢንተርነት

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0