ልኡኻት ኤርትራን ሶማሊላንድ ናብ ግብጺ ምብጻሕ ኣካይዶም

ልኡኻት ኤርትራን ሶማሊላንድ ናብ ግብጺ ምብጻሕ ኣካይዶም

እቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ብምውካል፣ ብ3 ሚያዝያ ናብ ካይሮ ዝበጽሑ ክልተ ሰበ ስልጣን፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳመሕ ሾክሪ ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ጉዳያት ናይል፣ ምትእትታው ቀጠርን ቱርኪን ብመንገዲ ሱዳንን ግብጺ ኣብቲ ዞባ ክትጻወቶ እትኽእል ኣበርክቶን ብዝምልከት ከምዝተመያየጡ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ሊባን ዮሱፍ ዑስማን ዝምራሕ ልኡኽ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ’ውን ቅድሚ ሳልስቲ ናብ ካይሮ ብምብጻሕ ምስ ሰበ ልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ምክልኻልን ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ተመያይጡ።

ወደባታ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ብኽራይ ከተረክብ ዝተሰማምዐት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዛ ምስ ኤርትራ’ውን ሓድሽ ርክብ መስሪታ ከምዘላ ይፍለጥ።

እንተኾነ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣካል ሶማል ብምዃና፣ በይና እትውስኖ ሉኣላዊ ጉዳያት ነተን ካልኦት ሃገራት ምስ ሶማል ከጋጭወን ከምዝኽእል ይጥቀስ።

ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራትን ምስዛ ርእሰ ምምሕዳር ዝኸተምኦ ስምምዕ ክራይ ወደብ፣ መንግስቲ ሶማል ተቓውምኡ ከምዘስምዐ ኣይርሳዕን።

ግብጺ፣ ንምትእትታው ቀጠርን ቱርኪን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽትቃወም ኤርትራን ሶማሊላንድን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት የካይዳ ከምዘለዋ’ዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።

ቀጠርን ቱርኪን ብመንግዲ ሱዳን ኣንጻር ኤርትራ ተጻብኦታት ይኣልማ ኣለዋ ክብል’ዩ መንግስቲ ኤርትራ ዝወቅስ።

እቲ መንግስቲ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ንኢትዮጵያ ኣብቲ ወቐሳ የእትዩዋ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ቱርኪ ብሓገዝ ቀጠር፣ ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ መዓስከራት ክትከፍት እንከላ፣ ግዝኣት ሱዳን ኣብ ዝኾነ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ስዋኪን’ውን ወትሃደራውን ሲቪላውን ዒላማታት ዘለዎ ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክታት ከምዘለዋ ይግለጽ።

እዚ ቱርኪን ቀጠርን ኣብ ሶማልን ሱዳንን ዘቑምኦ ዘለዋ ወትሃደራዊ መዓስከራት፣ ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን ሶማሊላንድን ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተባሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ዕብለላ ሚዛን ከትሕዞ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ምስ ቀጠርን ቱርኪን ምቅዳው ዘይብላ ግብጺ፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ወትሃደራዊ ጽልዋ ከተዕቢ ድማ’የን ኤርትራን ሶማሊላንድን ዝጠልባ ዘለዋ።

ይኹን’ምበር እዚ ናይ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ቱርኪን ምክፍፋል፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ዘይተገመተ ጽልዋታት ክህልዎ ከምዝኽእል ተንተንቲ የመልክቱ።

ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብ ድሕሪ ዝተኸስተ ምክፍፋል፣ ኤርትራን ጅቡቲን ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ክውግና እንከለዋ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ግና ዘይሻራውያን ኮይነን ምስ ቀጠር’ውን ዝምድንአን ይቕጽላ ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ቀጠር ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ቀጠር ምስ ኤርትራን ጅቡቲን ንዘለዋ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ ተበግሶ ከምዘቕረበ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0