ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ዘትዮም

ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ዘትዮም

Radio Erena: 03 August 2016

Hagazy

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሌተናንት ጀነራል ማሕሙድ ሓጋዚ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ መርበብ ሓበሬታ ኣሕራም ገሊጹ።

እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ በዓል ስልጣን ግብጺ፣ ብሰኑይ 1 ነሓሰ ናብ ሪያድ ድሕሪ ምእታዉ ምስ ስዑዳዊ መዘንኡ ሌተናት ጀነራል ዓብዱራሕማን ቢን ሳልሕ ኣል ቡንያ ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለዩ ወትሃደራውይን ጸጥታን ጉዳያት ዘትዩ።

እቲ ሻውዓይ ርክብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ባይቶ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ምዃኑ ዝተሓበረ ዘተ ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተጀመረ ወትሃደራውያን ቁጠባውን ምትሕግጋዝ ምዃኑ ጸብጻብ ኣሕራም የረድእ።

 

ስዑዲ ዓረብ ቁጠባ ግብጺ ንምብርባር ቢልዮናት ዶላራት ከተፍስስ እንከላ፣ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ’ውን ገዚፍ ሓገዝ ከምእተበርክተላ ይንገር።

ግብጺ፣ ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ሰራዊተን ናብ የመን ካብ ዘዋፈራ ሃገራት’ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሌተናት ጀነራል ዒማድ ኣል ዲን ሙስጠፋ ዓዳዊ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም፣ ምስ ስዑዳዊ መዘንኡ ሌተናት ጀነራል ዓብዱራሕማን ቢን ሳልሕ ኣል ቡንያ ተራኺቡ ተመሳሳሊ ምይይጥ ምክያዱ ይዝከር።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራ ምስ እትርከበን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ስምምዓት ትክጥም ከምዘላ ወትሃደራውያን ምንጭታት ብተደጋጋሚ ይገልጹ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0