ላዕለዎት ወትሃደራውያን መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ኬንያ ክዝትዩ ምዃኖም ተገሊጹ

Radio Erena: 07 November 2022

ድሕሪ’ቲ ኣብ 2 ሕዳር፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፣ ኣብ ተኽእሎታት ምፍታሕ ዕጥቂ ብዝምልከት ንምዝርራብ፣ ወትሃደራውያን መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኬንያ ክራኸቡ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፣ ድሕሪ እቲ ስምምዕ፣ ካብ ናይ ግንባራት ግዝያዊ መአዘዚ ቦታኡ ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝተመልሰ ዝሓበረ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ክዘራረብ ትጽቢት ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ሓደ ካብ ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝበጽሕዎ ስምምዕ፣ ብመሰረት ቅዋም ኢትዮጵያ፣ እታ ሃገር ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ይህልዋ ስለዝብል፣ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑ ዝጠልብ’ዩ።

ወከልቲ ትግራይ’ውን ነቲ ጠለብ ከምዝተሰማምዕሉ ተገሊጹ እኳ እንተሎ፣ ዝርዝራቱን ኣተገባብርኡን ግና ኣካታዒ ኮይኑ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0