ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ኣብ ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታት ሶማል ዘትዮም

Radio Erena: 22 June 2023

ብኣዛዚ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ምምሕዳር ዋሽንግተን ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉ ኩነታት እታ ሃገር ዘትዮም።

ኣመሪካዊ ጀነራል ሚካኤል ላንግሊ ምስ ኡጋንዳዊ ኣዛዚ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል፣ ጀነራል ሳም ኦኪዲንግ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ሶማል ኣብ ዝተራኸብሉ፣ ብክልቲኦም ሸነኽ ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ምትሕግጋዝ ተመያይጦም።

ብዘይካ’ዚ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይልታት ኣመሪካ፣ ልዩተናት ጀነራል ጆናታን ብራጋን ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪን ፍሉይ ተልእኾታት፣ ሪር ኣድሚራል፣ ጃሚ ሳንድስ’ውን ናብ ሶማል ብምብጻሕ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ዘትዮም።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ምስ ኣዘዝቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ምስ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ’ውን ተራኺቡ፣ ኣብ ህሉ ኩነታት ሶማል ከምዝመኸሩ ቤት ጽሕፈት እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣረጋጊጹ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ሶማል ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ፣ ኣልሸባብ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፣ ኣባላታ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ልዕሊ 54 ወትሃደራት ኡጋንዳ ድሕሪ ምቕታሎም’ዮም።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሒደት መዓልታት ድሕሪ ዑደት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ ናብታ ሃገር፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማል፣ ጀነራል ዖዳዋ ዮሱፍ ራገ ካብ መዝነቱ ኣልይዎ።

እቲ ደገፍ ባይቶ ሶማል’ውን ዝረኸብ ምእላይ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሶማል፣ ምስቲ ኣልሸባብ ዳግም ብምውድዳብ፣ ብሓድሽ ስልቲ ጀሚርዎ ዘሎ መጥቃዕቲ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይእምቱ።

ኣንጻር ኣልሸባብ ካልእይ ዙርያ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምክያድ ኣብ ምድላው ዝርከብ መንግስቲ ሶማል፣ ንብርጋደር ጀነራል ኢብራሂም ሸኽ ሙሕየዲን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ክኸውን መዚዝዎ ኣሎ።

ሓገዝ ኣመሪካ፣ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦት መሻርኽትን ዘለዋ ሶማል፣ ዝመጽእ ዓመት ጠቕሊሉ ክወጽእ ትጽቢት ንዝግበረሉ ልዕሊ 24 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትካእ ዝበጽቕ ብዝሒ ወትሃደራት ትምልምል ከምዘላ’ያ ትገልጽ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0