ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ካርቱም  ከካይድዎ ዝወጠኑ ኣኼባ ተሰሪዙ

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ካርቱም ከካይድዎ ዝወጠኑ ኣኼባ ተሰሪዙ

Radio Erena: 04 October 2018

IGAD flags

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣ ንሮቡዕ 3 ጥቅምቲ ኣብ ካርቱም ከካይድዎ ዝወጠኑ ኣኼባ ከምዝተሰረዘ ኣል ሳርቕ ኣል ኣውሳጥ ሓቢሩ።

መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ናብ ትግብራ ኣብ ዝሰጋገረሉ፣ ጸጥታውን ወትሃደራውን ኩነታት እታ ሃገር ንምክትታል ኣብ ዝብል ነጥቢ ብምትኳር ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ኣኼባ ዝተሰረዘሉ ምኽንያት ኣይተገልጸን።

ኣብ ካልእ እዋን ክካይድ ብዛዕባ ምዃኑ’ውን ዝተሓበረ ነገረ የለን።

ኣቐዲሞ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ብዘይካ’ቲ ዶባቶም ካብ ህላዌ ሰራዊት ክልትኤን ሃገራት ናጻ ንምግባሩ ዝኣትዎ ስምምዕ፣ ኣብ ጸጥታዉ ኩነታት ብሓባር ዝነጥፍ ሓባራዊ ሰራዊት ንምቛም’ውን ተረዳዲኦም።

ብዘይካ’ዚ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምስልጣን ሰራዊትን ካልእ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዛትን ክገብራ ዘኽእለን መዘክራት ከቲመን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0