ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢህወደግ፣ ናብ ኤርትራ ክትሰግሩ ሓሲብኩም ተባሂሎም ብዝተኸሱ መራሕቲ ተቓወምቲ ከም መሰኻክር ይርቁሑ

ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢህወደግ፣ ናብ ኤርትራ ክትሰግሩ ሓሲብኩም ተባሂሎም ብዝተኸሱ መራሕቲ ተቓወምቲ ከም መሰኻክር ይርቁሑ

Radio Erena: 05 May 2016

Repor

ብግንቦት ሸውዓተ ናብ ዝፍለጥ ተቓዋሚ ንምጽንባር ናብ ኤርትራ ክሰግሩ ተታሒዞም ዝብል ክሲ ዝተመስረተሎም ኣርባዕተ ኢትዮጵውያን፣ ካብቲ ቀሪብሎም ዘሎ ክሲ ናጻ ምኳኖም ንምርግጋጽ ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ከም መሰኻክር ከምዝተረቁሑ ጋዜጣ ሪፖርተር ሓቢራ።።

እቶም ሓለፍቲ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነጥፍ ‘ሰማያዊ’ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝነብሩ ኣርባዕተ ሰባት፣ ነቲ ብሰለማዊ መንገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ዝነበሩ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምሕዳግ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ብረት ንምእላይ ምስ ዝንቀሳቀስ ጉጅለ ግንቦት ሸውዓተ ንምጽንባር ናብ ኤርትራ ንምስጋር ኣብ ዝተበገስሉ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝተታሕዙ’ዩ ክሲ ቀሪብሎም ዘሎ።

 

ይኹን’ምበር፣ ቀሪብሎም ንዘሎ ክሲ ሓቕነት ከምዘይብሉ ንምርግጋጽ ከም መሰኻኽር ካብ ዝረቑሖም 141 ሰባት፣ ጠቕላሊ ሓለቃ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ፣ ኣቶ በረኸት ስምኦን፣ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፣ ኣቶ ስብሓት ነጋ፣ ኣቶ ኣባይ ጸሃየ፣ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፣ ኣቶ ተፈራ ዋልዋን ካልኦት ገዳይም ተጋደልቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ ነበረን ከምዝርከብዎም ጋዜጣ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣመልኪታ።

ብዘይካ’ዚን እቶም ምስ ክድዓት ሃገርን ሽበራን ብዝተሓሓዝ ከቢድ ክሲ ቀሪብሎም ዘሎ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሓላፊ ግንቦት ሸውዓተ ነበር ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌን ሓያሎ ጋዜጠኛታትን ከም መሰኻክር ረቑሖም ምህላዎም እታ ጋዜጣ ትጠቕስ።

እቶም ክሱሳት፣ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢህወደግ ብቀጥታ ክረኽብዎም ስለዘይክእሉ፣ እቲ ናይ ምስክርነት መጸዋዕታ ብመንገዲ ቤት ፍርዲ ክቀርበሎም’ዮም ሓቲቶም።

ኣብ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ ብዝሒ ዘለዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢህወደግ፣ መራሕቲ ተቓወምትን ጋዜጠኛታትን ከም መሰኻክር ክርቁሑ እዚ ናይ ፈለማ ፍጻመ ክኸውን ከምዝኽእል ይንገር።

እቶም ኣባላት መሪሕነት ሰማያዊ ሰልፊ ዝነበሩ ኣቶ ብርሃኑ ተኽለያሬድ፣ ወይዘሪት እዮርሳሌን ተስፋው፣ ኣቶ ፍቕረማርያም ኣስማማውን ኣቶ ደሴ ካሕሳይን ዝተባህሉ ክሱሳት፣ ካብ ኣኣዲስ ኣበባ ተበጊሶም፣ ብመንገዲ ባህርዳር፣ ጎንደርን ሑመራን ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ንምስጋር ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ፣ ማይካድራ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ከምዝተታሕዙ’ዩ ዘመልክት እቲ ቀሪብሎም ዘሎ ክሲ።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0